ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ፡ ንመበል 34 ግዜ ፖሎቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተዘኪሩ።

ንመዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣመልኪቶም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል፡ ኣብዚ ዓመት ስወኣት እንትንዝክር ከፅንቱና ዝመፁ ናይ ውሽጥን ግዳምን ሓይልታት ብሓበራዊ ቅልፅም ብምምካት ከምፀሓይ ብርሃን ዝኹላዕ መስደመም ቅያ ዝፈፀምናሉ ብምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ሓቢሮም።

ብምኻኑ እውን ሕድሪ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታትናን ባህጊ ህዝብናን ንምዕዋት ኢድ ንኢድ ተታሒዝና ናብ ዘይተርፍ ዓወት ክንምርሽ ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ በዓል ሰማእታት እዚ ዓመት ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታት ትማልን ሎምን እንዝክረሉን ሕድሮም እንፍፅመሉን ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝኽሪ እቲ በዓል ቀፅሪ ሓወልቲ ሰማእታት ካብ ዝተረኸቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ሃይለስላሴ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)ን ገብረዮሃንስ ኣባተ (ወደ ኣባተ)ን በዓል ሰማእታት ብፍላይ ንሰራዊት ዘለዎ ትርጉም ዝዓዘዘ ከምዝኾነን ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝሓለፉ ሰማእታት ብምዝካር ሕድሮም ንምፍፃም ቃልና እነሐድሰሉ ታሪኻዊ ዝኽሪ ከምዝኾነ ኣነፂሮም።

ሎሚ ዘበን መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ፡ ንመበል 34 ግዜ ዝኽበር ዘሎ ክኸውን ከሎ ብተወሳኺ ብስርዓት ደርግ ኣብ ልዕሊ ንዕዳጋ ዝተኣከበ ሰለማዊ ህዝቢ ሓውዜንን ዓሚ ከምዚ እዋን ብስርዓት ብልፅግና ኣብ ቶጎጓ ንዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከበ ሰለማዊ ህዝቢ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርትን 15 ሰነ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።