ሓድሽ ፈነወ HBS ሬድዮ ብዲያስፖራ ተጋሩ ከምዝተጣየሸ ተሓቢሩ።

ሓድሽ HBS (Horn Broadcasting Services) ሳትላይት ቴሌቪዥን ብዲያስፖራ ተጋሩ ከምዝተጣየሸን ፈተነ ፈነወ ሳትላይት ከምዘካየደትን ተገሊፁ።

በቲ ቴሌቪዥን ብዝተፈላለዩ ሚድያታት ዝሓልፉ ብሱላትን ኣገደስትን መደባት ናብ ሓደ ፅላል ክመሓላለፉ ምግባርን ፅፁይን ብሱልን ሓበሬታ ናብ ህዝብና ክባፃሕ ከምእትገብርን ኣመራርሓ ቦርድ ግልጋሎት ፈነወ ሆርን (HBS) እቲ ሳትላይት ቴሌቪዥን ገሊፆም።

ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለው መምሀርቲ ትሕዝቶታት በዚ ቴሌቪዥን ናብ እዝኒ ተመልከቲ ክመሓላለፍ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እውን እቲ ፈነወ ብYahsat
Frequency : 11843
Polarisation : V
Symbol rate : 27500 ብሳትላይት ከምዝፍኖ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ቻናል እዚ ያበለ ሚዲያ፣ UMD ሚዲያ፣ ኣክሱማውያን ሚዲያ ኔትወርክ፣ ዛንታና ሚዲያ፣ መረባ እሴት ሚዲያ፣ ካልኦት መቕረብቲ ትሕዝቶ ዝኾኑ ሚዲያታት ትሕዝቶታም ከምዘቕርቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣመራርሓ ቦርድ ግልጋሎት ፈነወ ሆርን (HBS) እቲ ሳትላይት ቴሌቪዥን ከምዝበልዎ ሚድያ ንሓደ ሕብረተሰብ ዝህልዎ እወንታዊ ረብሓን ኣብ ምቕናዕ ሓንቲ ዓዲ ዝፈጥሮ ዓቕምን ዝለዓለ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብምዃኑ እውን ከም ተጋሩ ኣብዚ ጉዳይ እቲ ዝድለ ዕቤት ብዘይምፍጣርና ዝህልዎ ተፅዕኖ ቀሊል ዝበሃል ብዘይምዃኑ ነዚ ቴሌቪዥን ኣብ ምጥንኻር ኣድላዪ ሓገዛት ከበርክቱ ኣመራርሓ ቦርድ ግልጋሎት ፈነወ ሆርን (HBS) ፀዊዑ።

ዝሓላፈ ዓመት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ ኣትዩ ኣማራፂ ሚድያ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ኣብ ወፃኢ ብዘለው ግዱሳት ተጋሩ እትውነን ሬድዮ ወጋሕታ ትግራይ ብመገዲ ያበለ ሚድያ(ኣኽሱማይት ሚድያ ዝነበረ) ተበፃሒት ኣብ ምዃን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ምብርካታ ዝዝከር እዩ።