ኣብ ትግራይ ኣስታት 200 ሽሕ ህጻናት ብሰብ ስራሕ ጥምየት ከምዝሞተ ተሓቢሩ።

ነቲ ብጥይት ዝመውት ዘሎ ልዕሊ 5 ዓመት ትግራዋይ ከይሓወሰ ህፃውንቲ ትሕቲ 5 ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 200 ሽሕ ህፃውንቲ ብሰንኪ ጥምየት ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ትሮፕ ዝተብሃለ ኣብ ኣመስተርዳም ዝመደብሩ መረበብ ሓበሬታ ሒዙዎ ዝወጸ ጸብጻብ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 25 ዓመታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝህቡ ዘለዉ ካህን ፍልፍል ብምጥቃስ እዩ ገሊፁ።

እቶም ኣብ ውቕሮ ዝርከቡ ካህን ንህጻናት ትግራይ መን ይብጽሓሎም? ዝብል ልቢ ዝትንክፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

ካህን ኣንጌል ኦላራን ኣብ ትግራይ ን25 ዓመታት ዝሰርሑ ዀይኖም እዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዓጸቦ ኣብ ዓምዩቚ ሓዘን ኰይኖም ቁጠዕኦም ኣስሚዖም።

ዓለም ኣብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ንዘሎ ረሃብ ግብረ-መልሲ ኣይሃበትን ብምባል ዝወቐሱ ዀይኖም፤ ሰብኣዊ መሰል ዳርጋ የለን ኢሎም።

ኣብ ትግራይ 200 ሽሕ ህጻናት ኣብ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝሞቱ’ውን ብሓዘን ገሊጾም።

ቕድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ዩኒቨርስቲ፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዂናት ብወተሃደራት፣ ጥምየትን ብሰኣን ሕክምናን ልዕሊ 500 ሽሕ ህዝቢ ከምዝሞተ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ እዩ።

ማዕኸን ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ብድምሩ ኣስታት 351 ሽሕን 900 ህጻናት ከም ዝሞቱን፡ ንሞት ከም ዝተቓልዑን ጸብጻብ ምዝርግሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፣ ካብዚኣቶም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ትግራይ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብታ ብህልቂት፡ ዕግታን ክባን ትሕመስ ዘላ ትግራይ ብውሕዱ ኣሽሓት ህጻናት ከምዝሞቱ ብሰብ መዚ ጥዕና ትግራይ ብዝተኻየደ ዳህሳስ ምዃኑ ኣሾሾይትድ ፕረስ ሓቢራ ነይራ።

እቶም ህጻናት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2021 ክሳብ ባሕቲ ሚያዝያ ዓመተ 2022 ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ከምዝመቱን፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ከምዝኾኑን ጸብጻባት ኣነጺሮም ምንባሮም ይዝከር።