መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ንዝርከቡ ዜጋታቱ መጠንቀቕታ ሂቡ።

መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ንዝርከቡ ዜጋታቱ ዘይተረጋገዐ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ኩነታት እታ ሃገር መሰረት ብምግባር መጠንቐቕታ ከምዝሃበ ተገሊፁ።

ዋላ እኳ ኣዲስ ኣበባ ሰለማዊት ከተማ ትምሰል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ውግእ ኣሎ እዩ ዝበለ መንግስቲ ኣሜርካ ናይ ዓዲ ናይ ጸጥታ ኩነታት በዘይ መጠንቐቕታ ከሽቆልቑል ከምዝክእል ሓቢሩ።

ኣብቲ ዲፓርትመንት ስቴት ኣሜርካ ዘውጽኦ መግልጺ  ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ኩነታት እናቆልቖለ እንተኸይዱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ንዝጸንሑ ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ሓገዝ ክህበሉ ዝክእለሉ ኩነታት ከምዘይለ ኣፍሊጡ።

ሐዚ እውን ናብ ኢትዮጲያ ጉዕዞ ምግባር ውሑስ ኣይኾነን ዝበለ ዲፓርትመንት ስቴት ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ንምጽናሕ ዝሓስቡ ዜጋታት ኣሜርካ ኤምባሲ ኣሜርካ ካብታ ዓዲ ለቂቆም ንክወጹ ሓገዝ ከምዘይገብር ኣጠንቂቁ።

ካብዚ ብተወሳኪ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ዝተኣስሩ ዜጋታት ኣሜርካ ክረክብ ዝክእለሉ መገዲ ውሱን ከምዝኾነ ዝሓበረ እትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብታ ሃገር ዘይምትርግጋዕ እንትህልው ስልኪን ኢንተርኔትን ከምዝዓጽውን እዚ ድማ ንዜጋታቱ ብኢንባሲ ኣቢሉ ዝህቦ ሓገዝ ከምዝግድብን ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣሜርካ ሐዚ እውን ብተዳጋጋሚ ዜጋታቱ ካብ ኢትዮጲያ ክወጹን ናብ ኢትዮጲያ ከይጓዓዙን ጻዊዒት እናገበረ ዝርኸብ እትኸውን  በቢግዚኡ እናቆልቆለ ዝርኸብ ጸጥታን ውሕስነት እታ ዓዲ ከም ምክንያት ገይሩ የቅርቦ ይርከብ።

ኣብ ቀረባ ማዓልታት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራብ ጋምቤላን መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ውግእ እናካየደ ዝርኸብ ኮይኑ ብሰንኩ ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ዓዲ ግዳይ ከምዝኮኑ ዝወጹ ዘለው ሓበሬታት የመላክቱ።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣዎጆ ኲናት ዝቐጸለ እንትኸውን ብሰንኪ ዘንበሮ ዕጽዋን ምቁራጽ ኣገልግሎትን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጽያ ኣብ ትግራይ መብራህቲ፣ ስልኪን ኢንተርኔትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ምቑራጹ ስቴት ዲፓርትመንት ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ዝሓበረ እንትኸውን ኣብ ትግራይ ንዘለው ዜጋታቱ ዝህቦ ግልጋሎትን ሓገዝን እውን ከምዝገደቦ ኣፍሊጡ።