ውድብ ምግቢን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO) ሓረስቶት ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ክረኽቡ ጸዊዑ።

ውድብ ምግቢን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ሓረስቶት ትግራይ ዋና ወቅቲ ዝራእቲ ከምልጦም ኣብ ዝክእል ከቢድ ሓደጋ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን ክራማት ትግራይ ሓረስቶት ትግራይ መሬቶም ክሓርሱ ህጹጽ ዝኾነ ሓገዝ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም እንተዘይረኪቦም ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ናብ ዝገደደ ኩነታት ከውርዶ ከምዝክእል ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ጽቡቅ ዝናብ ክህልው ትጽቢት ዝግበረሉን ሓረስቶት ትግራይ እውን መሬቶም ሓሪሶም ዝናብ ዝጽበዩ ዘለው ዋላ እንተኾነ እኩል ዝኮነ ናይ ሕርሻ ናውቲን ብፍላይ ድማ ድኹዕን ዘርኢን ክረክቡ ዘይምከኣሎም ዓብይ ጸገም ከምዝኮነ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኤርትራን ብሓባር ብምኳን ህዝቢ ትግራይ ንምጽናት ምህርቱን ናውቲ ሕርሻን ብምቅጻል፤ ጥሪቱን ሃፍቱን ብምዝማትን ከይሓርስ ብምክልካልን ናይ ትግራይ ናይ ምግቢ ውሕስነት ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ዝገበሩ እንትኸውን ሐዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ  ሓረስቶት ትግራይ ኣድለይቲ ናውቲ ሕርሻ፣ ድኹዒ፣ ምሩጽ ዘርኢን መድሓኒትን ከይረክብ ክባን ዕጽዋን ብምናብር ውሑስነት ምግቢን ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይን ከንቆልቅል ኣብ ምግባር ይርከብ።

ውድብ ምግቢን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ናይዚ ዓመት እዚ ናይ ሕርሻ ወቕቲ ንምሕጋዝ  ዘድሊ ድኹዒ ንምቅራብ ልዕሊ 92 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ዘፍለጠ እንትኸውን ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ክገብር ጸዊዑ።