ሕርሻዊ ዓርሰ-ምርኮሳ ምህርቲ ኣብ ዝሕፈሰሉ ወቕቲ ኲናት ብምጅማሩ ህዝቢ ንከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዘቃለዖ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ ፖሊሲ ኩለመዳይ ዕፅዋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረብ ዘመናዊ ዱኽዒን ምሩፅ ዘርኢን ምርካብ ስለዘይተኽኣለ ቅልውላው ትግራይ ክናዋሕ ከምዝኽእል ዘመላኽት እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ቀረብ ምሩፅ ዘርኢን ዘመናዊ ዱኽዒን ምስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ክቐርብ ክሓትት ምፅንሑ ዝገለፀ ኣባል ሴንተራል ኮማንድ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ትግራይ ዑደት ዘካየደ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮፓ እውን ምስ ዓለምለኸ ትካል ምግብን ሕርሻን ብምዃን ንምቕራብ ድልው ከምዝኾነ ምግላፆም ተዛሪቡ።

ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገዚኦም ዘመናዊ ዱኽዒን ምሩፅ ዘርኢን ንትግራይ ንምቕራብ ድልውነት ከምዘለዎምን ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረን ምሕባሮም ጠቒሱ።

“ዋና ዓቕምና ክኸውን ዝግበኦ ዓርስና ምኽኣል እዩ” ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ረዳ “ብርክት ዝበላ ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ስለዝረኣያ ዕልል ዝበላ ኣዴታት ምርኣይ ብጣዕሚ ዘሕዝን ፈፂሙ ክኸውን ዘይግበኦ” ክብል ገሊፁ።

“ጅግና ህዝቢ በዚ ደረጃ እዚ ነዚ ሽግር እዚ ተሳጢሑ ምርኣይ ኩልና ከሕዝነና ከሕፍረና ይግባእ” ፀላእቲ ዝገበርዎ ምንቅስቓስ “ብቕልፅምና ክንሰብሮ ኢና እንትበሃል ዲፕሎማሲ፣ ማእቶት ምድንፋዕ ብምግቢ ዓርስና ምኽኣል ቅልፅም ስለዝኾነ ወተሃደራዊ ስራሕ ጥራሕ ጌርና ክንወስዶ ኣይግባእን” ኢሉ።

መሳርሒታት ሕርሻ “ኮነ ኢሎም ዘጥፍኡ ፀላእቲ ካብ መብዛሕትኡ ቦታ ፀሪግና ኣውፂናዮም” ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ሓራ ዘይወፀ ከባብታት ከምዘሎ እውን ጠቒሱ።

ሰራዊት ኤርትራ “ብርክት ዝበለ ከባቢ ሐዚ እውን ህዝቢ የጋፍዕ ኣሎ ብመዳፍዕ ይድብድብ ኣሎ” ክብል መንግስቲ ኤርትራ ቅሉዕ ኲናት ንምውላዕ ይቕስቅስ ምህላው ተዛሪቡ።

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍጠር ዝኽእል ኣፋፍኖት ዕድል ሰላም “ዘባህረሮ መንግስቲ ኤርትራ ነዚኣ ንምትዕንቓፍ ሓይሊ ኣምሓራን ዓፋርን እናዕጠቐ ብዙሕ ነገር ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ።
“ህዝብና እቶም ናውቲ ሕርሻ ዝሰበርሉ ፀላእቲ ኣድኒኖምዎ ክተርፍ የብሉን” ብምባል ምምሕዳራዊ መሓውር መንግስቲ “ኩሉነገር ብቕልፅምና እናበልካ ወተሃደራዊ ዓወት ምቁማት” ከይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ብምግቢ ዓርሱ ክኽእል ምስራሕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።