ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከምዝቐፀለቶ ተገሊፁ።

ብመሰረት ማዕኸናት ዜና ሱዳን ዘውፀኣኦ ሓበሬታ ሰራዊት ሱዳን ኣካል ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝኾነ ከተማ በረከት ከምዝተቖፃፀረ ፀብፂበን ኣለዋ።

ሱዳን ናብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ብዙሕ ከቢድ ኣጽዋርን ኣሻሓት ሰራዊትን ከምዘፀገዐትን ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝንቀሳቐሱ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዱፋዕ ከም ዝደብደበትን ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ብወገኑ በቶም ብኢትዮጵያ ዝተቐትሉ ሸውዓተ ወተሃደራት ከም ዝሓዘነን ኣብ ጎድኒ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ከም ዘሎ ገሊጹሉ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሱዳን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ብ22 ሰነ 2022 ከም ዝተማረኹን ናብ ኢትዮጵያ ተወሲዶም ከም ዝተቐትሉን ገሊጹ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ክስተት ኣመልኪቱ ዝወጽኡ ሓቅታት ምዝባዕ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኣብ ሞንጎ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ዝኣተው ወተሃደራት ሱዳንን ናይቲ ከባቢ ሚሊሻን ብዘጋጠመ ግጭት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “መንግስቲ ሱዳን ነቲ ክስተት ካብ ምዕራግ ክዓግቶን ነቲ ኩነታት ዘህድኡ ስጉምታት ክወስድ ትጽቢት ከም ዝገብርን” ኣብሪሁ።

ወተሃደራታ ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉ እትኸስስ ሱዳን ግን፡ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደራ ናብ ካርቱም ከም ዝጸውዓቶ ተገሊጹ።

ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንወተሃደራዊ ምንጪታት ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ዶብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ከተማ ኣል-ቁሬይሻ ስጕምቲ ምስ ወሰዱ ኣብ መንጐ ኣባላት ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ግጭት ከም ዝተወለዐ ሓቢሩ።

ማዕከን ዜና መንግስቲ ሱዳን ሱና፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ነቶም ሱዳናውያን ምስ ቀተሉ “ኣስከሬኖም ኣብ ኣደባባይ ንህዝቢ ኣርእዮምዎ” ብምባል፡ ነዚ ተመጣጣኒ ስጕምቲ ብምውሳድ ምላሽ ከም ዝህበሉ’ውን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብቲ ግጭት ዘለዎ ከባቢ ምብፃሕ ዘካየደ ክኸውን ከሎ እቲ ምላሽ ኣብ ባይታ ዝርአ ከምዝኸውንን ናብ መሬት ሱዳን ዝግበር ካልእ ምንቅስቓስ ከምዘይፍቀድ ምግላጹ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን፡ “እቲ ክስተት ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እቲ ግጭት ብድጋፍ ህወሓት ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ብዝኣተው ወተሃደራት ሱዳን ዘጋጠመ’ዩ” ክብል እቲ ዝተለመደ ክሱ ኣቕሪቡ ኣሎ።