ሓይሊ ኣየር ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ወተሃደራት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።

ሓይሊ ኣየር ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢ ኣል ፋሽቃ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ኢትዮጵያ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየደ ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ራሺድ ዓብዲ ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ሸውዓተ ወተሃደራት ሱዳን ብዕጡቓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተዓፊኖም ድሕሪ ምውሳዶምን ብግፍዒ ተቐቲሎም ሬሳኦም ኣብ ጎደና ምስተወርገሑን ትማሊ ዝተወሰደ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣጋር ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕትታቱ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብ ከባቢ ኣልፋሽቃ ዝርከብ ካላ-ሊባን፣ ባርክሃትን ኩጀታት ተስፋይ ኣዳዊን ከምዝተቖፃፀሩ ማዕኸን ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣቃሊሑ።

ብተወሳኺ ሰራዊት ሱዳን ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ እቲ ማዕኸን ዜና ኣቃሊሑ።

ትማሊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሱዳን ካብ ተግባራታ እንተዘይተቖጢባ ከምሸፋቱ ተሓቢእና ዘይኮነስ ስሩዕ ዝኾነ ዘመናዊ ኲናት ኢና ክነካይድ ኢሉ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ሑቡራት ሃገራት ስቴፌን ዱጃሪክ ብወገኑ ክልቲኤን ሃገራት ግርጭት ደው ኣቢለን ዘለወን ኣፈላላይ ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሓኦ ተማሕፂኑ ኣሎ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኡ ብሰራዊት ሱዳን ዝተፈፀሞ ዓፀፌታዊ ስጉምትን ዘጋጠሞ ስዕረትን ወያነ ኣጥቂዑኒ ብዝብል ናብ ሰራዊት ትግራይ ከምዘላገቦ ዝፍለጥ እዩ።