ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ መንነቶም ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሮም ዝርከቡ ተጋሩ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ሰመራን ኣጋቲናን ኣብ መዓስከራት ተታሒዞም ዝርከቡ ተጋሩ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኵነትን ክፍትሑ ጸዊዑ።

እቲ ኮሚሽን ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ማእሰርቲ “ዓሌት መሰረት ዝገበረ፡ ዘይሕጋውን ጃምላውን ስለ ዝዀነ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ይግባእ” ኢሉ።

“ናብ መንበሪ ከባቢኦም ክሳብ ዝምለሱ ኣብቲ መጽንሒ ቦታ ክጸንሑ ዝደልዩ እንተሃልዮም እውን፡ ብድልየቶምን ብዘይ ዝኾነ ናይ ምንቅስቓስ ገደብን ክኸውን ኣለዎ” ክብል ሓቲቱ።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይ ዝዀነ ገበን ተዳጒኖም ንኸቢድ ስቓይን ሞትን ከም ዝተቓልዑ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

ኢሰመኮ ኣብ ዘውጽኦ ካልእ መግለጺ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ንዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኮኒኑ ፤ ኣብቲ ከባቢ ንዝተመዛበሉ ሰባት ቀረባ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘየለ ብምሕባር ክቐርብ ሓቲቱ ኣሎ።

ነቲ ግፍዕታት ንምውጋዝ ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወጹ ተምሃሮ እቲ ስርዓት ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምቅዋም መንግስቲ መሰል ዜጋታቱ ከክብር ሓቲቱ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ጀሚሩ ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቱ ኣካላት ተዋዲዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ጀኖሳይድ ዘይኮነን እኳ ደኣስ ንገበናት ኲናት መንግስቲ ዝሽፍን ፀብፃብ እናቃለሐ ዝመፀ ትቦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ትካል ከምዝኾነ ይግለፅ።