ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ክባን ዕፅዋን ተሳጢሑ ከምዘሎ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፁ።

ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ክባን ዕፅዋን ተሳጢሑ ከምዘሎን 10ታት ኣሽሓት ተጋሩ ብመንነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ተሓዪሮም ከምዘለው ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

እቶም ብመንነቶም ምኽንያት ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ማእኸላት መዳጎኒ ተዓጒሮም ዘለው ተጋሩ ኢሰብኣዊ ብዝኾነ ኣገባብ ተታሒዞም ከምዘለው ሓቢሩ።

ኣብቲ ማእከላት መዳጎኒ ህፃናትን ኣዴታትን ኣዚዩ ግፍዓዊ ብዝኾነ ኣተሓሕዛ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለው ዶክተር ቴድሮስ ኣብሪሁ።

ብምዃኑ እውን እዚ ኢሰብኣዊ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ደው ክብልን ዘይተገደብ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምቁራፅ ክኣቱን ዶክተር ቴድሮስ ኣተሓሲቡ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ካብ ምጅማር ኲናት ትግራይ ኣትሒዙ ብወረርቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀሙን ዝፍፀሙን ዘለው ገበናት ኲናት ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ንዓለም ብምቅላሕ ከይረብረበ ዝቃለስ ዓለምለኸ መራሒ ብሉፅ ትግራዋይ እዩ።