ማሕበረሰብ ዓለም ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ዘርኢ ምጽናት ብስቅታ ክርእዮ ከምዘይብሉ ተገሊጹ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ንዝሓለፉ ልዕሊ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብፍሉይ ድማ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰፊሕ ዘርኢ ናይ ምጽናት ገበናት እናፈጸመ ይርከብ ዝበለ ፎሬን ፖሊሲ ዝተበሃለ ጋዜጣ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ ብስቅታ ክሪኦ ከምዘይግባእ ጸዊዑ።

ተጋሩ ኣረጋዊያንን ህጻውንቲን ብግዲ ናብ መካይን እናተጻዓኑ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጹ፥ ህዝቢ ከም እንስሳ እናተኾብኾቡ ናብ መዳጎኒ ናቁጣታት እናተዳጎኑ ተሳቅዮሙን ብሕማምን ጥምየትን ናብ ሞት ክሳጥሑ ከምዝተዳረጉ ዝሓበረ ፎሬን ፖሊሲ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ብግዲ ካብ መረበቶም ክንቐሉ ብምግባር ዘርኢ ናይ ምጽናት ስራሕቲ ብመንግስቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱን ከምዝተፈጸመ ጸብጺቡ።

እዚ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ዘርኢ ናይ ምጽናት ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክኸወል መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኩሎም  መራከብቲ መገዲታት ብምዕጻው: መርመርቲን ጋዜጠኛታትን ከይኣትው ብምክልካል ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸሙ ገበናት ከይቃልዑ ይሰርሕ ኣሎ ዝበለ ጋዜጣ ፎሬን ፖሊሲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረክብ ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ መጀመሪታ መፋርቅ 2021 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ዘርኢ ምጽናት ኢሉ ጸዊዑ ዘውገዞ ዋላ እኳ እንተኾነ ብድሕሪኡ ግን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ሰቆቓን መከራን ትኹረት ከምዝተነፈጎ ጸብጺቡ።

ኣመንስቲ ኢንተርናሽናልን ሂማን ራይትስ ዎችን  ሐዚ እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ መኸራን ስቓይን ከምዝቀጸለ ዘፍለጡ ዋላ እንተኾነ መንግስቲ ኣሜርካን ካልኦት ሃገራትን ተፃቦኦ ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣትው ካብ ምጽዋዕ ሓሊፉ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ኣዝዩ መደንጽዊ ዘርኢ ናይ ምጽናት ገበናት ብኣብዝሓ ትኹረት ከምዝነፈገኦ ገሊጹ።

እንተኾነ ከምዚ ትኹረት ተነፊግዎ ክቅጽል ከምዘይግባእ ዘተሓሳሰበ ፎሬን ፖሊሲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብግፍዒ ተዳጊኖም ዘለዎ ክፍትሑ፤ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ናብ መሬቶም ክምለሱ ከምዝግባእ ገሊጹ። 

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጲያን ነቲ ከባቢ ተቆጻጺሩ ዘሎ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዎ ተጋሩ ዝተዳጎኑሎም መዳጎኒ ናቑጣታት ንዓለም ለኸ ሰብኣዊ ትካላት ክፍቲ ክገብሩን ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ከቅርቡን ጸዊዑ።

እንተኾነ እዚ ብርኡይ ስጉምቲ ማሕበረሰብ ዓለም እተዘይተደጊፉ ትርጉም ከምዘይብሉ ዘዘኻከረ እቲ ጋዜጣ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕብራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ንፍታሕ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ወቂሱ።

ብምኳኑ እዞም ትካላት እዚ ጉዳይ ስሩዕ ኣጀንዶኦም ብምግባር ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዎ መዳጎንቲ ጣብያታት ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክፍቲ ክግበሩ ጸቅጢ ክገብሩ ጸዊዑ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣሜርካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ናይቲ ቀጠና ሓይልታት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገለልተኛ ምጽራይ ክግበር ክግበር ጻዊዒት ከቅርቡ ፎሬን ፖሊሲ ጸዊዑ።