ስርዓት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝኣዎጆ ኲናት ኣብ ትግራይ 2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ከምዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕብራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝኣወጆ ኲናትን ዝፈጸሞም ገበናትን ደቂ ኣንስትዮን ህጻውንቲ ዝበዝሕዎ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዝተፈናቐሉ ወገናት ከም ዘለዎ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ብማዓልቲ ልዕሊ 3 ሽሕ ወገናት ናብ ሱዳን ይስደዱ ከምዝነበረ ዘዘኻከረ እቲ ትካል ተወሳኪ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ከምዘለው ኣፍሊጡ።

እቲ ኩነታት ሐዚ እውን እናተጋደደ እምበር እናቐነሰ ከምዘይከይድ ዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕብራት ሃገራት መራኸብቲ መንገድታትን መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣብ ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ምዕጻው እቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቁልዋልው ክጋደድ ከምዝገበሮ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣዎጆ ኲናት ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ተጋሩ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ እንትኸውን ብዓሰርትታ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ካብታ ዓዲ ብምህዳም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተጸሊሎም ኣደዳ ዘይሓጋዊ ስደትን መኸራን ተሳጢሖም ከምዝርከቡ ይፍለጥ።