ካናዳ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሃብቲ ወርቂ ንዘይምስኣን ንኲናት ትግራይ ዝምልከት ስቕታ ከምዝመረፀት ተገሊፁ።

ካናዳ፡ ካብ ትግራይ እትረኽቦ ሃብቲ ወርቅን ኩቡር ማዕድናትን ንዘይምስኣን ክትብል ብስርዓት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ጆኖሳይ ንዘይምኹናን ከምዝመረፀት ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካናዳ፡ ዘይኮነነቶ ምኽንያት ካብ ትግራይ እትረኽቦ ልዑል መጠን ወርቅን ኩቡር ማዕድናትን ብምህላው ከምዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ዘ ኮንትነንት ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ እታ ሃገር ስቕታ ዝመረፀት ብድሕሪት ኮይና ምስ ኩሎም ሓይልታት ከይተላተመት ነቲ ውህሉል ሃብቲ ወርቂ ንምምዝማዝ ከምዝኾነ ኣቃሊዑ።

ብምዃኑ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ ዕላዊ ብዝኾነ መግለፂ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበናት ኲናት ከምዘይኮኖኖ ዘ ኮንተኔንት ኣብሪሁ።

ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ዕቑር ሃፍቲ ወርቅን ኩቡር ማዕድን ከምዘሎን ብዓመት ጥራይ ኣስታት 18 ኩንታል ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣታዊ ይኸውን ከምዝነበረ ይግለፅ።

ከምኡ እውን ብርክት ዝበሉ ኩባንያታት ወርቂ ካናዳ ኣብ ትግራይ ተዋፊሮም ኣብ ዕደና ወርቂ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።