ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ድሕንነትና ናብ ሓደጋ እንተወዲቑ ናብ ኲናት ክንኣቱ ኢና ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብልጽግና ምስ መንግስቲ ትግራይን ንምዝታይ ንምንታይ በይኑ ወሲኑ ዝብል ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕቶ ዝቐረበሉ ክኸውን ከሎ እቲ ውድብን ህዝብን ንሰላም እዮም ቀዳምነት ዝህቡ ክብል መሊሱ፡፡

ኮይኑ ግና ድሕነትን ሉእላውነትን እታ ሃገር ብሰላም ምሕላው እንተዘይተኻኢሉ ጥራሕ ናብ ኲናት ከምዝኣትዉ ብምግላፅ ነቲ ከም ግዜ መግዘኢ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ትግራይ ግልፂ ገይርዎ።

ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ መሻርኽቱ ዓዲሙ ኣብ ትግራይ ዝወለዖ ኲናትን ዝፈፀሞ ጀኖሳይድን ረሲዑን ደላዪ ሰላም መሲሉን ‘‘ከመይ ኢልና ሰላም ንጸልእ?’’ ክብል እውን ተላጊፁ፡፡

ብዛዕባ እቲ ምስ ትግራይ ዝግበር ዘተ ሰላም ሰራሕተኛታት መንግስትን ሓዊሱ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝተመያየጡሉ ተዛሪቡ ኣሎ፡፡

ብተወሳኺ ህወሓት በቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግብረ ሽበራ ተባሂሉ ተሰዪሙ ከሎ ብኸመይ ምስኡ ዘተ ሰላም ይካየድ ኣሎ ንዝብል ድማ ‘‘ምስ ግብረ ሽበራዊ ዘተ ኣይካየድን ዝብል ኣዕሚዩቕና ክንርእዮ ኣለና፡፡ ኩሉ ሻብ ዘተ ይካየድ እዩ ብምባል’’ እቲ ስያመ ከምዘይለዓል ኣመላኺቱ።

ኣብ ሕሉፍ ደርጊ ምስ ህወሓትን ህዝባዊ ግንባርን ዘተ ሰላም የካይድ ከምዝነበረ ብምሕባር ነቲ ብሰራዊት ትግራይ ከቢድ ስዕረት ምስበፅሖን ብፀቕጢ ማሕበረሰብ ዓለምን ተገዲዱ ዝኣትዎ ዘሎ ግዜ መግዝኢ ዘተ ሰላም ክኽውሎ ፈቲኑ እዩ፡፡