ኣብ መቐለ ክትባት ጸረ ቫይረስ ኮርና ምሃብ ከምዝተጀመረ ድምፂ ወያነ ትግራይ ፀብፂቡ።

ብኲናትን ዕጽዋን ከሙኡ እውን ሕፅረት መድሓኒን ናውቲ ሕክምናን እናተሃሰየት እትርከብ ትግራይ ክትባት ጸረ ቫይረስ ኮረና ምሃብ ኣብ ከተማ መቐለ ምጅማሩ ተሓቢሩ።

ብሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ክትባት ኣብ ከተማ መቐለ ምውሃብ ዝተጀመረ እንትኸውን ህዝቢ ነቲ ዝተረኸበ ዕድል ክጥቐም ፃዊዒት ቀሪቡ።

ህዝቢ እቲ ዝተረኸበ ክትባት ክወስድ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብ ሞያ ሕክምና ከም መርኣያ ቀዳምነት ወሲዶም እቲ ክታበት ክምዝወስዱ ቃል ዝኣተው እንትኾኑ ንዕውትነት እቲ ወፍሪ ከምዝሰርሑ እውን ኣፍሊጦም።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ኮረና ኣብ ዝተዛመተሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ብምእዋጅን ኣድላይ ዘበሉ ኣቅርቦት ከይኣትው ብምክልካል ብኣሸሓት ዝቑጸር ህዝቢ ክረግፍ ዝገበረ እንትኸውን ትግራይ ካብ ዓለም ተገሊላ ብሕጽረት መዳሕኒትን ናዉቲ ሕክምናን ክትህሰይ ከምዝሰረሐ ይፍለጥ።