ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ ፍጹም ጭካነን ግፍዕን ዝተመለኦ ገበናት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝፈጸሙ ብመንግስቲ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ኣቃሊዑ።

ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ወታደራትን ዕጡቓት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጭካነ ዝተመልኦ ግፍዒታት ከምዝፈጸሙ ኣቃሊዑ።

ኮምሽን ሰብኣዊ ምሰላት ኢትዮጲያ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ጥራሕ  ዕጡቃት መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ሰፊሕ መቅትልቲን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝፈጸሙ ኣብ ዘውጾኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዕጡቃት መንግስቲ ህጻናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለን ከይፈለዩ ሰፊሕ ገበናት ከምዝፈጸሙ ዝገለጸ ኮሙሽነር ዳንኤል በቀለ ዕጡቃት መንግስቲ ዘይኮኑ ኣካላት ዝበሎም እውን ኣብቲ ገበን ተሳተፍቲ ከምዝነበሩ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኪ ዜጋታት ቅድሚ ፍርዲ ንዝተናወሐ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን መግረፍቲን ተቃሊዖም እዮም ዝበለ ዳንኤል በቀለ ኣብ ዘይፍለጡ ቤት ማእሰርቲታት ዜጋታት ይዳጎኑ ምንባሮምን ውሳነ ቤት ፍርዲ ብምጥሓስን ዋሕስ ብምክልካልን ሰለማዊያን ሰባት ክሳቀዩ ከምዝተገበረ ኣቃሊዑ።

ብሽም ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ምግልታዕን ትፈፂሞም እዮም ዝበለ እቲ ኮሙሽን ተሓታትነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ ሐዚ እውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ግሉጽነት ከምዘይብሉ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰፋሕቲ ገበናት ኲናት፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸሙ ገበናን ከምኡ እውን ግሕሰት ሰብኣዊ መሰላት እናፈጸመ ዝርኸብ እንትኸውን ብመንግስቲ ዝምወል ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ግን ብዝተፈላለየ መንገዲ ገበን መንግስቲ ንምሕባእን ንምቅላልን ክሰርሕ ምርኣይ ልሙድ ከምዝኮነ ይፍለጥ።