ኣብ ኤርትራ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ከይዶም ካብ ዝጠፍኡ ወተሃደራት ሶማልያ እቶም 2 ሽሕ ተረኺቦም።

ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወሰዱ ካብዝነበሩ 5 ሸሕ ሶማላውያን እቶም 2 ሽሕ ጥራይ ብህይወት ከምዝተረኸቡ መርበብ ሓበሬታ ሞረድ ኒውስ ሓቢሩ።

እቶም ወተሃደራት ንመጀመርታ ግዜ ዝተርኣዩ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ምብፃሕ ድሕሪ ምክያዱ እዩ።

እቲ ፕረዚዳንት ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዑደቱ ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ኤርትራ ዝርከብ ሶማላውያን ወተሃደራት ክዕለሙሉ ዝጸንሑ ቦታ ብምኻድ ምስቶም ወተሃደራት ተራኺቡ እዩ።

ነበር ፕረዚዳንት ሶማልያ መሓመድ ፎርማጆ ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ይኹን ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ሶማልያ የለውን ብምባል ክነፅጎ ምፅንሑ ይፍለጥ።

ከምውፂኢቱ ድማ ኣብ ሞቓድሾ ‘ደቅና ኣበይ ኣለዉ?’ ዝብል ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።

እንተኾነ እቲ ፕረዚዳንት ካብ ስልጣን ኣብ ዝተኣለየሉ ፅባሕ 5 ሽሕ ወተሃደራት ሶማልያ ንስልጠና ናብ ኤርትራ ከምዝተለኣኹን ብዝተፈጠረ ኵነታት ስለዘይጠዓመ ክምለሱ ከምዘይተኻእለ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ኤርትራን መሻርኽቱን ዓዲሙ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካየዶ ወራር እቶም ኣብ ኤርትራ ዝፀንሑ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኲናት ከባቢ ኣኽሱምን ሽረን ከምዝተሳተፉን ካብዚኦም ኣስታት 3 ሽሕ ብሰራዊት ትግራይ ከምዝተቐተሉን ዓለምለኸ ትካላት እናቃለሓኦ ምምፃአን ዝዝከር እዩ።