ፀሓፍን ፖሎቲኬኛን ክብሮም በርሀ ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ።

ፀሓፍን ፖሎቲኬኛን ክብሮም፡ መጀመርታ በዓልቲ ቤቱ፡ ክብሮም ኣምፅእዮ ንደልዮ ኢና ብዝብል ኣሲሮምዋ ድሕሪ ምፅናሕ ድሕሪ ክብሮም ምእሳሩ ከምዝሰደድዋ ፍልፍላትና ኣረጋጊፆም።

ኣይተ ክብሮም፡ ብሲቪል ዝተኸደኑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ተዓፊኑ ከምዝተወሰደን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቤት ማእሰርቲ ክራውን ከምዘሎ ፍልፍላትና ገሊፆም።

ምኽንያት መእሰሪ ክብሮም፡ ብዕሊ ዋላ እኳ እንተዘይተፈለጠ ኣብ ቀረባ እዋን ንተግባራት እቲ ስርዓት እተቃልዕ “ምፅኣት” ዘርእስታ መፅሓፍ ናብ ህዝቢ ምውዝዑ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለፅ።

ፖሎቲኬኛ ክብሮም፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ልዕሊ ክልተ ግዜ ተኣሲሩን ኣካላዊ ማህሰይቲ ከምዝበፅሖን ዝዝከር እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሳሪስ እንዳ ህንፃ ዝብሃል ሆቴል ልዕሊ 50 ተጋሩ ተዓፊኖም ዝተወሰዱ እንትኾኑ ኣብ ከባቢታት 22፣ ካልኦት ቦታታትን መንነት መሰረት ዝገበረ ፅዑቕ ግፋ ከም ዝተኻየደ ፍልፍላትና ኣረጋጊፆም።

ብተመሳሳሊ ኢትዮ-360 ዝተብሃለ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኣዲስ ዝርከቡ ሰብሃብቲ ትግራዋይ መንነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ስራሕ ከይቖፅሩ ከም ዝተኸልከሉ ሓቢሩ እዩ።

እቲ ማዕከን ሓበሬታ ሓንቲ ካብ ክፍለከተማታት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኾነት ክፍለ ከተማ ኣራዳ ሰብመዚ መንግስቲ ንሰብ ሃብቲ ኣኪቦም ፤ ተጋሩ ኣብ ስራሕ ከይቖፅሩ ፤ ትግርኛ ሙዚቃ ውን ከይውልዑ ከም ዘጠንቀቑዎም ውን ኣረዲኡ።