ምልባዕ ለበዳ ሕማም ዓሶ ትግራይ ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝኾነ ዓለምለኻዊ ትካላት እዋናዊ ግብረመልሲ ክህባ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

መድሓኒትን መመርመሪ መሳርሒን ብዘይምህላው ነቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ዘኽእል ስጉምቲ ከምዘይወሰደ ዝገለፀ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ሰብሰራሕ ምዝባዕ ስርዓተ-ጥዕና ንምስፋሕ ለበዳታት ምኽንያት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

መተሓባበሪ ጉጅለ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት እቲ ቢሮ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን “ሕማም ዓሶ ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ወረዳታት ቀይሕ ተኽሊ፣ እምባስነይቲ፣ ዕዳጋ ዓርቢ፣ ማይቅነጣልን ታሕታይ ማይጨውን ብለበዳነት” ከምዝተልዓለ ገሊፁ።

ኣይተ ኣረጋይ ወሲኹ ኣብ ወረዳ ኣስገደ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መዕቆቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ እውን ብመልክዑ ለበዳ ይላባዕ ምህላው ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ “ሰብሰራሕ ዕፅዋን ክባን ዘስዐቦ ዕንወት ስርዓተ ጥዕና ትግራዋይ ንቅልውላው ጥዕና” ከምዘቃለዖ ዝጠቐሰ እቲ መተሓባበሪ “ኣብ ትካላት ጥዕና መመርመሪ መሳርሒን መድሓኒትን ስለዘየለ እዋናዊ ግብረመልሲ” ምሃብ ከምዘይተኽኣለ ተዛሪቡ።

ነዳዲን መራኸቢን ስለዘየለ ሙሉእ ምስሊ ዝርገሐ ሕማም ዓሶ ምፍላጥ ከምዘይተኽኣለ ዝሓበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ክሳብ ሐዚ ናብቲ ቢሮ ብመሰረት ዝቐረበ ሪፖርት 5 ወረዳታትን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከባ መዕቖቢ ተመዛበልቲን ዓሶ ብብርኪ ለበዳ ከምዝተዛመተ ጠቒሱ።

ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ በቢመዓልቱ ብሰንኪ ዓሶ ዝመውት ሰብ ይውስኽ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን 70% ትግራዋይ ንሕማም ዓሶ ኣብ ዝተቓለዐ ገፀምድራዊ ኣቀማምጣ ይነብር ምህላው ድማ እቲ ቅልውላው ከምዘጋደዶ ሓቢሩ።

እዚ ሓደጋ “ኣቐዲምና ንምክልኻል ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ንዝምልከቶም ዓለምለኻዊ ትካላት ዓሶ ንምክልኻል ዘኽእል መመርመሪ መሳርሒ፣ መድሓኒትን 3 ሚልዮን ዛንዜራን ሓቲትና ኢና” ዝበለ መተሓባበሪ ጉጅለ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት እቲ ቢሮ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን “ክሳብ ሐዚ ግብራዊ ምላሽ” ከምዘይተውሃበ ኣፍሊጡ።

ንማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ወረዳታት ትግራይ ብመልክዕ ለበዳ ይጋፋሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ ሕብረተሰብ ናብ ከቢድ ጥዕናዊ ቅልውላው ከምዘሳጠሐ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ 69 ወረዳታት ብኣስተምህሮን ሕክምናን ካብ ዓሶ ናፃ ኮይነን ምንባረን ዘዘኻኸረ እቲ መተሓባበሪ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ሕማም ልዕሊ ዓቕሚ ትካላት ጥዕና ኮይኑ ምህላው ኣረዲኡ።

መጠን ምልባዕ ሕማም ዓሶ “ልዕሊ ዓቕሚ ምቁፅፃር እቲ ቢሮ” ከምዝኾነ ዝገለፀ ኣይተ ኣረጋይ ዓለምለኻዊ ትካላት ጥዕና እቲ ኩነታት ለበዳ ናብ መላእ ትግራይ ከይተዛመተ ንምዕጋት መድሓኒት፣ ናውቲ ሕክምናን ዛንዜራን ብቕልጡፍ ከቕርባ ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዘድሊ ተዛሪቡ።