መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሓላፊ ወፃኢ ጉዳያት ባይቶና ኣይተ ክብሮም በርሀ፡ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ክፈትሖ ውድብ ባይቶና ጸዊዑ።

ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ኣይተ ክብሮም በርሀ ቅድሚ ሐዚ እውን ንኣዋርሕ ብግፍዒ ተኣሲሩ ምንባሩን ኢትዮጲያ ንተጋሩ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኾነትን ሓቢሩ።

ብተወሳኪ ብመንነቶም ተጋሩ በምኻኖም ጥራሕ ኣደዳ ማእሰርትን ስቅያት ዝኾኑ ዘለዎ ተጋሩ ጠጠው ክብልን ተጋሩ ናይ ፓለቲካ እሱራት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ውድብ ብሄራዊ ዓባይ ትግራይ ዝጸወዐ እንትኸውን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝገብርዎ ዘለዎ ጸቅጢ ውሑድ ብምኳኑ ወቂሱ።

ብምኻኑ ማሕበርሰብ ዓለም ነዚ ኩነታት ተረዲኡ እቶም ብግፍዒ ተኣሲሮም ዘለው ተጋሩ ክፍትሑ ጻዊዒት ክገብር ባይቶና ጸዊዑ።

ክብሮም በርሀ “ምጽኣት” ዝብል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ጆኖሳይድ ዘዝትው መጻሓፍ ድሕሪ ምሕታሙ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘውዓሎ እንትኸውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ክራውን ሆቴል ፖሊስ ጣብያ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽንሑ ዳግም መንግስቲ ኢትዮጲያ ከምዝሰዎሮ ከሓትዎ ዝኸዱ ፈተውቱን ማሓዙቱን  ይዛረቡ።

ኣብቲ ፖሊስ ጣብያ ዝርከቡ ሓለፍቲ ክብሮም ኣበይ ኣሎ ተባሂሎም እንትሕተቱ ከምዝተፈተሐ ዝዛረቡ ዋላ እንተኾነ ክሳብ ሐዚ ግን ስድራን ፈተውቲን ክብሮም ናብ ገዝኡ ከምዘይተመለስ ይዛረቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ንኣይት ክብሮም ናበይ ከምዝወሰዶ ክሳብ እዚ ዜና እዚ ዝተሰረሐሉ እዋን ኣይተፈለጠን።