ኣብ ትግራይ ጥሜት የለን ዝበለ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ኢትዮጵያ ተኣሲሩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ምትኩ ካሳ፡ ብግዕዝይና ተጠርጢሩ ከም ዝተኣስረ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ረዳት ኮሚሽነር መምርሒ ምርመራ ገበን ግዕዝይና ፖሊስ ፌዴራል ታደሰ ኣያሌው ከምዝበሎ፥ ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ ኤልሻዳይ ምስ ዝተብሃለ ግብረ ሰናይ ማሕበር በዓል ዋና ብምምሽጣር ገበን ግዕዝይና ፈፂሙ ብዝብል ከም ዝተኣስረ ሓቢሩ።

ምትኩ ካሳ ሓደ ካብቶም ኣብ ህልቂት ህዝቢ ትግራይ ልዑል ተሳትፎ ዘለዎም ገበነኛታት መራሕቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት ብሰነ 2014 ዓ.ም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣፍ ደገ ሓደጋ ጥምየት ከምዘለዉ ብምግላጽ እቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ኣጋጢሙ ዝነበረ ከቢድ ጥምየት ክድገም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኮይኑ ግና ኮሚሽነር ምትኩ፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት ዝበሃል የለን። መድሓኒት ውን ኣብቲ ክልል መሊኡ እዩ። ብምባል’ዩ ተቓዊሙ ነይሩ።

ብተወሳኺ፣ ብሚያዝያ ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናውቲ ሕክምና ናብ ትግራይ ከይነእቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ኣይሃበናን ኣብ ዝበሉሉ እዋን “መድሓኒት ይኣቶ ሎ እዩ” ዝብል ተቓውሞ ብምስማዕ ነቲ መድሓኒት ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን ክከፋፈልን ክሽየጥን ምግባሩ ይዝከር።

ሕጂ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምትኩ ካሳ ምስ
ኤልሻዳይ ዝተብሃለ ትካል ተሓባቢሩ ኣብ ኣዋሽ፣ ኣዳማ፣ ሃዋሳ፣ እንጅባራን ካልኦት ከባቢታትን ተመዛበልቲ ኣብ ዘይብሉ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ ብምምሳል ብተደጋጋሚ ሓገዝ እኽሊን ክዳውንቲን ብምርካብ ብምሻጥ ገዛ ዓዲጉ ብዝብል ከምዝኣሰሮ ይግለፅ ኣሎ።

እንተኾነ ጠንቂ ናይዚ ማእሰርቲ ስርቂ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ስርዓት ኢትዮጵያ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልፁ።