ህዝቢ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ካብ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ዕሱብ ሰራዊት ኣብዪን ካልኦት ልፍንታውያን ሓይልታትን ሓራ ዝወፀላ 5 ሓምለ 2013 ዓ/ም 1ይ ዓመት ብድሙቕ ኣገባብ ዘኪሩዋ ዊዒሉ።
እቲ ብትግራዋይነት መንነቱን ክብሩን ተዋግዩ ዘይፈልጥ ህዝቢ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ክብሩ መንነቱን መሬቱን ንምምንዛዕ ተላፊኖም ንዝመፁ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ብዝርደኦም ቋንቋ ግቡእ መልሲ ሂቡ ከምዝመለሶም ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ኣይተ የማነ ንጉስ ሓቢሩ።
ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኑ፡ ብዘካየድናዮ መስተንክራዊ ገድሊ ደመኛታት ፀላእትና ምስ ዕስለ ዘራያቶም ደዃዕዃዕ ኣቢልና ካብ ዝበዝሕ ከባቢታትና ፀራሪግና ኣውፂእናዮም ኢና ኢሉ።
እንተኾነ ትግራይ መሊኣ ሓራ ስለ ዘይወፀት ሓርነታዊ ናፅነትናን መሰል ዓርሰ ውሳነና ክሳብ ዝረጋገፅ ዝጀመርናዮ ህዝባዊ ቓልሲ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ይግባእ ክብል ተዛሪቡ።
ወረርቲ ሓይልታት ህዝቢ እቲ ከባቢ ብግፍዒ ካብ ምቕታል ክሳብ ኣገዲድካ መንነት ምቕያር ዝበፅሕ ግፍዕን በደልን ከምዘብፅሑ ዝፍለጥ እዩ።