ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ብዘተ ሰላም ክዛዘም ክመርሕ ዘጣየሾ ኮሚቴ ዕላዊ ፈላማይ ዋዕላ ከምዘካየደ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ፀብፂበን።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብሽምግልና ንምዝዛም ክመርሕ ዝተጣየሸ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ኮሚቴ ዕላዊ ፈላማይ ዋዕሉ ኣብዚ ሰሙን ከምዘሳለጠ ማዕኸናት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺበን።

እቲ ኮሚቴ ኣብቲ ፈላማይ እዩ ዝበሎ ኣኼባ ብኣሸማጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ንዝብገብረሉ ልዝብ ኣብ ኣሰራርሓን ከይዲ ስነ-ምግባርን ተዘራሪቡ ውሳነ ከምዘሕለፈን ንኡሳን ኮሚቴታት ከምዝተጣየሹን፡ ብመሰረት እዚ ዝተጣየሸ መሓውር፡ ሓላፍነት ተከፋፊሎም ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣባል እቲ ኮሚቴ ዝኾነ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ቲውተር ገጹ ዝመሓላለፎ መልእክቲ ገሊጹ።

ካብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮንንን ኣምባሳደር ሬድዋን ብተወሳኺ ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፣ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ ሌተናል ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፣ ዶክተር ጌታቸው ጀምበርን ኣምባሳደር ሓሰን ዓብደልቃድርን ኣብቲ ኮሚቴ ብኣባልነት ዘለውዎ እዩ።

መንግስቲ ኣብይ እቲ ሽምግልና ብሕቡእ ንኣምሓራ ከይሓውሰ የሳልጥ ኣሎ ዝበሉ ካብ ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ዝቀረበሉ ክሲታት ንምምላስ ላዕለወት ሰበ ስልጣናት ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ኮሚቴ ብዋናነት ከምዘሳተፈ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

ብወገን ትግራይ ዛጊድ እንመን ተደራደርቲ ኮይኖም ከምዝቐርቡ ዕላዊ ዝተገበረ ነገር የለን።

እንተኾነ ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጸኦኦ መግለጺ ውድብ ህወሓት በይኑ ኣብቲ ሽምግልና ትግራይ ወኪሉ ክሳተፍ ሕጋዊ ውክልናን ስልጣንን የብሉን ዝበላ እንትኾና እቲ ሽምግልና ውጲኢታዊ ክኸውን እተኾይኑ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሓሳባትን ትግራይ ክውኸሉ ጻዊዒት ምግባረን ይዝከር።

መንግስቲ ትግራይ እቲ ኲናት ንምፍታሕ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ቁሩብ እየ ዝበለ እንትኸውን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ኣሸማገልቲ ኮይኖም ዝቐረቡ ገለ ውልቐ ሰባት ከምዘይቅበል ግን ኣፍሊጡ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝ ኣወጆ ኲናት ብተደጋጋሚ ብዘተ ክፈትሕ እየ ዋላ እናበለ ዝርኸብ እንተኾነ ብተግባር ግን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክባን ዕጽዋን ብፍጻም ትግራይ ብ ኢኮኖሚ ክትደቅቅ ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርኸቡ ተጋሩ ክዳጎንን ንዝዘይሕጋዊ ኣማእሰርቲ ክሳጥሑን ኣብ ምግባር ይርከብ።