ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ሰመራ ዝዳጎኖም ኣሸሓት ተጋሩ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንምኽዋል ይሸባሸብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ሽኸት/ኣብዓላ/ ብሓይሊ ብምጭዋይ ኣብ ሰመራ ብግፍዒ ተዳጊኖም ዝርከቡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ካብ ዓይኒ ማሕበረሰብ ዓለምን ዓለም ለኻዊ ትካለትን ንምሕባእ ይሸባሸብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ሰመራ ዝርከብ መዳጎኒ ናቑጣ ንኣስታት 8 ወርሒ ህጻናትን ኣረጋዊን ከይፈለየ ሓራሳትን ጡኑሳትን ዝርከባሉ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝቑጸር ህዝቢ ንሕማምን ሞቱ ተቃሊዑ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘለው ይግለፅ።

ካብ ዝሓለፈ ሰነበት ጀሚሩ መለለይ ካርዲ ክትወሃቡ ብዝብል ከም ብሓዱሽ ምዝገባ ዝተጀመረ እንትኸውን “ናብ ቦታኹም ከጋዕዘኹም ኢና” ብምባል የዳልውዎም ከምዘለው ተሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ካብ ምዕራባውያን ማሕበረሰብ ዓለም ሕቶታት ስለዝበዘሖን ኣባላት ክሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት ሃገራት ናብቲ መዳጎኒ ናቑጣ ቅድሚ ምምጸኦም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምድላውን ቀለብን ጥሪቶሙን ንብረቲምን ናብ ዝተዘመትሉ መንበሪ ገዝኦም ናብ ዝዓነወሉ ከባቢ ክምልሱ ይስራሕ ከምዘሎ ዝተሓበሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝጀመሮ ዝኮነ ይኹን ኣገልግሎት ሕክምና፣ ስልኪ፣ ቀረብ ቐለብን ካልእ ኣገልግሎትን ናብ ዘይርከበሉን ኮነ ተባሂሉ ናብ ዝዓነወ ኣብዓላ/ሽኸት እተወሲድዎም ኣብዚ እዋን ክረምቲ ብርኽት ዝበለ ህዝቢ ብዓሶን ካሊእ ሕማማትን ክሃልቕ ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሰመራ ልዕሊ 10 ሽሕ ተጋሩ ብግፍዒ ተዳጊኖም ዝርከቡ ወኪል ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኮነ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ከይተረፈ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘለው ምፍላጡ ይዝከር።