ኣብ ጂቡቲ መዓስከር ሆልሆል የዕቒቦም ዝርከቡ ተጋሩ ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ወዲቖም።

እቶም ስደተኛታት ከምዝብልዎ፡ ኣብ መዓስከር ሆልሆል ዝርከብ መደበር ጥዕና ምርመራ ኤችኣይቪን ኮሮና ቫይረስን ካብ ምግባር ወጻኢ፡ ዝኾነ ዓይነት መድሓኒታት፣ ኣገልግሎት ላቦራቶሪ ይኹን ሓኻይም ከምዘይብሉ ሓቢሮም።

እቶም ስደተኛታት ተጋሩ ንዝሓሸ ሕክምና ካብቲ መዓስከር 40 ኪሎሜተር ርሒቑ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ከምዝለኣኹ፡ እንተኾነ ግን ናብኡ ዝበጽሕ መጓዓዝያ ብዘይምህላዉ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም ከምዘሎ ይዛረቡ።

ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥዕና ንዘሎ ሰብ ጥራይ ኣገልግሎት እትህብ ኣምቡላንስ፡ ኣብቲ መዓስከር ካብ እትርከበሉ እቲ ዘይትርከበሉ እዋን ይበዝሕ ይብሉ እቶም ስደተኛታት።

“ነዚ ሓሊፍና ክንኸይድ እንተፈቲንና ባዕልና መድሃኒት ክንገዝእ ንግደድ። እቲ ስደተኛ ገንዘብ ስለዘይብሉ ግን ብዘይ መድሃኒት ናብ መፅለሊኡ ተመሊሱ ከምዝድቅስ ድማ ኣረዲኦም።

ከምኡ እውን “ካብ ሆሎሆል ናብቲ ብቐረባ ዝርከብ ኣልሰበህ ዝብሃል ከባቢ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከምዘየለን ምኻድ ከምዘይከኣልን እናፈለጥካ ‘ሪፈር’ ምጽሓፍ ትርጉም ከምዘይብሉ ተጋሩ ስደተኛታት እቲ መዓስከር የብርሁ።

ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጫት ፅዒና እትመፅእ መኪና ናብ እትርከበሉ ዝቐረበት ቦታ ብእግሮም ብምኻድ ለሚኖም ሕክምና ክረኽቡ ዝፍትኑ እውን ከምዘለው ተገሊጹ።

ኣብቲ መዓስከር እኹል ማይ ከምዘየለ ዝዛረቡ እቶም ስደተኛታት፡ እቶም ዝጸንሑ ገንእታት ማይ ድማ ብፍላይ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጥራሕ ከምዝመልኡን ብተደጋጋሚ ክዕጸዉ ከምዝጸንሑን ሓቢሮም።

ብሰንኪ’ቲ ዘይ እኹል ቀረብ ማይ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ጥራይ ማይ ዝበፅሖም ስደተኛታት ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

በዚ ምኽንያት፡ ገለ ዝኸኣሉ ስደተኛታት ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ብእግሮም ተጓዒዞም ካብ ምንጪ (ፈልፋሊ ማይ) ቀዲሖም ከምዝሰትዩ ተገሊፁ።

ኮይኑ ግና እዚ ናብ ተላባዒ ሕማማት የቃልዖም ከምዘሎ ወሲኾም ይገልጹ።

እዚ ኩሉ ፀገማት ዘጋጥሞም ዘለዉ ዝበዝሑ ካብ ኦሮሚያን ትግራይን ዝሃድሙ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኮይኖም፡ ብፍላይ ብሰንኪ ጥሜት ናብ የመን ክስደዱ ከምዝውስኑ ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ የመን ዝተሰደዱ ከምዘለውን ሓደጋ ሞት ከምዘጋጠሞሞምን ብመርትዖ ኣደጊፎም ከምዘቕረቡ ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤን ኤች ሲ ኣር) ፈይዝ፡ ትካል ስደተኛታት ሑቡራት ሃገራት ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይረኺቡ ንድሌታት እቶም ስደተኛታት ከማልእ ከምዝጽገም ብምግላፅ ምስ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብምዃን ለገስቲ ገንዘብ ክህቡ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሓቢራ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት እምራኩባ ዝነብሩ ተጋሩ እውን ብሰንኪ ሆቦብላ ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ ምውቅዑ መንበሪኦም ከምዝዓነወ ዝፍለጥ እዩ።