ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣጠንቂቑ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ዘውጸኦ ሰሙናዊ በዓል ሰለስተ ገጽ መግለጺ ብሽም ዘይጸወዐን ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣጠንቂቑ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጆ ኲናት ንምምካት ኣንጻር ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ኣዝዩ ፈታኒ ቃልሲ ኣብ ምክያድን ኣብ መኸተን ከምዝርከብ ዝገለጸ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብሽም ዘይጠቐሶም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ህዝባዊ መኸተ ንምትዕንቓፍ ምንቕስቃስ ይገብሩ ከምዘለውን ካብዚ ምንቅስቃስ ክቑጠቡን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ መግለጺ እተን ፖለቲካዊ ውድባት መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ኣይኾነን፣ ሕገ መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጲያን ፈሪሱ እዩ፣ መንግስቲ ትግራይ ዘተ ሰላም ዘተ ሰላም ናይ ምስላጥ ስልጣን የብሉን ስግግር መንግስቲ ይጣየሽን ዝብል ሓሳባት ዝሓዙ ከምዝኾነ ዘብርሀ እንትኸውን እዚ ድማ መኸተ ከምዝተዓናቅፍ ይገልጽ።

እንተኾነ እዞም ፖለቲካዊ ሓሳባት ፖለቲካዊ ውድባት ከየልዕሉ ንምንታይ ከምዝተኸልከለ ዝተገለጸ ነገር ዘየለ እንትኸውን እተን ውድባት እውን ብሽም ካብ ምጽራሕ ተቖጢቡ እዩ።

ውድብ ናጽነት ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ውድብ ብሄራዊ ዓባይ ትግራይ( ባይቶና) ኣብ ትግራይ ዘሎ ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ተቐይሩ እዩ፤ ነቲ ኩነታት ዝምጥን ስግግር መንግስቲ ይጣየሽን ሕገ መንግስቲ ኢትዮጲያን ትግራይን ፈሪሱ እዩ ዝብሉ ቅዋማት ብተደጋጋሚ ዘጸባርቑ እንትኸውን እቲ ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ሓይልታት ዝግበር መኸተ ኣብ ትግራይ ለውጢ ብምስላጥ ብዝበለጸ ምዕዋት ከምዝከኣል ፖለቲካዊ ቅዋም ከምዝሓዙ ኣብ ዘውጽእዎም መግለጺታትን ዝህብዎም ቃለመሕትታን ኣፍሊጦም እዮም።

ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብን ውልቀ ሰብን ዝደለዮ ፖለቲካዊ ሓሳብ ናይ ምግላጽን ምሓዝን መሰል ከምዘለዎ ሕገ መንግስታዊ ድንጋገ ዋላ እንተኾነ እተን ብቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብስም ዘይተጸረሓ ፖለቲካዊ ውድባት ነዚ ሓሳብ ምሓዘን ኾነ ምልዓለን ከም ጥፍኣት ንምንታይ ከምዝወስዶ ዝበሎ የለን።

ኣብቲ መግለጺ እተን ፖለቲካዊ ውድባት ዝተዓናቀፈኦ መኸተ ኣየናይ ምኻኑ ዝተሓበረ ዘየለ እንትኸውን ብግልጺ ዝውሰድ ስጉምቲ እንታይ ምኻኑ እውን ዝበሎ ነገር የለን።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ካልኦት ፖከቲካዊ ውድባት ትግራይን ዝርኣይ ዘሎ ጎንጺ ካብ እዋን ናብ እዋን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ዝገልጹ እንትኸውን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ስእነት ፖለቲካዊ ናጽነት ከይሰፍንን ትግራይ ናብ ዝሓመቐ ኢ ዲሞክራሲያዊ ሃውህው ከይትጥሕል ስግኣት ኣብ ምንጽብራቅ ይርከቡ።

~~