175  ሲቪል ማሕበረስብን ናይ ምርምርን ኣካዳምያዊ ትካላትን ትግራይ ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ገበን ኣብ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ትግራይ ተረኺቡ ምርምራ ከሳልጥ ጸዊዐን።

ብዓለምለኻዊ ማሕበር ሙሁራት ትግራይ ኣቢሉ ዝተጸሓፈ 175 ብብርኪ ዓለም ዝሰርሓ ትካላት ትግራይ ዝተፈረመ ናብ ኣደ መንበር ዓለም ከኻዊ ኮሙሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካሪ ቤቲ ሙርንጊ ኣብ ዝተለኣኸ ደብዳበ እቲ ኮሙሽን ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ብዘይ ዝኾነ ናይ ቦታን ገደብ ክምርምር ጻዊዒት ኣቅሪበን።

ኣብ ሓባራዊ ምጽራይ ኮሙሽን ውድብ ሕብራት ሃገራትን ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ኮነ ተባሂሎም ከይተጸንዑ ዝተሓለፉን ቁልዕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበን ኲናትን ዝተፈጸመሎም ከም ቶጎጋ፣ ኣክሱም፣ ደብረ ኣባይ፣ ማሕበረ ዴጎ፣ተምቤን፣ቦራ፣ ኢሮብ፣ ሓውዜን፣ዓድዋ፣ ግጀት፣ ዓዲግራት፣ ዓዲ ሃገራይን ካልኦት ኣብ ትግራይ ዝርኸቡ ከባቢታት ብኣካል ተተኪቡ ምርመራ ከሳልጥ ጸዊዐን። ብተወሳኪ እቲ ኮሙሽን ኣብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ጁቡቲን ዘለው ተጋሩ ስደተኛታት ክርእይ ጸዊዐን።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ሓባራዊ ምጽራይ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ኮነ ኢሉ እዞም ከባቢታት ከይጽንዑን ከይምርመርን ዕንቅፋት ከምዝፍጠረ ዝሓበራ እዘን ትካላት ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ምፍርራሕን ከይንቀሳቀሱ ገደብ ካብ ምቅማጥን ሓሊፉ ናይ ዓይኒ ምስክርን ኣብቲ ምርመራ ዝነጥፉ ዝነበሩ ውልቐ ሰባት ካብታ ዓዲ ክሳብ ምስጓግ በጺሑ ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።

ብምኻኑ: እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ዝበላ እንትኸውን ዓለም ለኻዊ ኮሙሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሐዚ እውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያን ትካላቱን ዝገብሮ ዘሎ ርክብ እቲ ክሳለጥ ተተሒዙ ዘሎ ገለልተኛ ምጽራይ ውግንኑኡ፣ ሚዛናውነቱን ከሙኡ እውን ተጠቃዒ መሰረት ዝገበረ ምርመራን ከየባላሽውን ስግኣት ከምዘለዎን እተን 175 ትካላት ገሊጸን።

ኣብ ኢትዮጲያ ዝኮነ ይኹን ገለልተኛ ትካል የለን ዝበላ እዘን ትካላት ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጲያ  ናይ ፍትሒ ኣካላት ሓዊሱ ኩሎም ትካላት እታ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ዝኣዎጆ ኲናት ከም መሳርሒ ከምዝተጠቀመሎም ብምግላጽ ምስዞም ኣካላት ዝግበር ርክብ ሚዛናውነትን ዓላማ እቲ ምጽራይ ከፍርስ ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲበን።