ኣባል ሴንቴራል ኮማንድ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ገለ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ንመኸተ ዕንቅፋት ይኾኑ ኣለው ክብል ከሲሱ።

ኣባል ሴንተራል ኮማንድ ትግራይን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ንዘተ ሰላም ዝምልከት ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ኣተሓሳስባ ከምዝውከል ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ደገን ውሽጥን ዝርከቡ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ከምዝውከሉን ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ትግራይ ክውከል ይስራሕ ከምዘሎን ኣረዲኡ።

እዚ ማለት ረብሓ ትግራይ ዘማእኸለ ኩሉ ሓይሊ ክውከል ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ኮይኑ ግና ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነት ክሳብ ዘይተመለሱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጅመር ዘተ ሰላም ከምዘየለ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓቃዊ ዝርርብ ቅሩብ ዘይምዃኑ ዘነጽሩ ዝተፈላለዩ ምልክታት ይረኣዩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣብ ቃልሲ መኸተ ሓገዝቲ እኳ እንተኾኑ ገለ ዕንቅፋት ዝኾኑ ውን ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።

ተቓወምቲ ፖለቲካ ትግራይ፣ ኣብ ሞንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተፈፀመ ግዝያዊ ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ ስዒቡ፤ ስርዓት ኢትዮጵያን ህወሓትን ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ዘተን ድርድርን ንምግባር ድልውነቶም ከምዝወገኑ በቢወገኖም ገሊፆም እዮም፡፡

ብወገን ትግራይ ኩሎም ሰብ ግደ ዘካተተ ሓቛፋይ ናይ ሰላም መስርሕ ክህሉ ተደጋጋሚ ፃውዒት ዋላ እንተገበርና ዛጊድ ባሊህ ዝብል ኣካል ኣይተረኸበን፡፡ ዝብል መረረት ከም ዘስምዑ ዝዝከር እዩ።

ሓደ ወገን ጥራሕ ዝተወከለሉ ከይዲ ዘተን ድርድርን ረብሓ ትግራይ ብመሰረቱ ይፃባእ ጥራይ ዘይኮነ መፃኢ ዕድል ህዝብና እውን ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ መንቀራቕር ዘእቱ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም ነይሮም፡፡

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ዝህሉ ከይዲ ዘተን ድርድርን ግዝኣታውን ብሄራውን ሓድነትና ዝሽርሽር ኣሳሪ ከይዲ ክህሉ ዝግበር ስለዝኾነ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ስዒቡ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፈቓድ ፀላእትና ከም ዝፈረሰ እቶም ውድባት ይምጉቱ፡፡