ኣብ መዳጎኒ ማእኸል ሰመራ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ብጥምየት ከምዝሞቱ ተቓሊዑ።

ካብ ሸኸትን ኸባቢኡን ተገፊፉ ናብ ሰመራ ዝተወሰደ ማእለያ ዘይብሉ ትግራዋይ ብሕማምን ጥምየትን ምማቱ ዘቃልዕ ምስሊ ወፂኡ።

እቲ ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ዓፋርን ዝቕተል ድሕሪ ምቕታል ብሓይሊ ተገፊፉ ናብ ሰመራ ዝተወሰዱ ብሰንኪ ጥምየትን ሕማምን ናይ ዝሞቱ መቓብር ዘቃልዕ ምስሊ ተዘርጊሑ።

እቲ ብሓንቲ ግድስቲ ትግራወይቲ ዝወፀ ምስሊ መቓብር ብርክት ዝበሉ ሬሳታት ተጋሩ ንብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘሰምበደ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ሰመራ ማእኸል መዳጎኒ ኣስታት 12 ሽሕ ተጋሩ ክትገልፆ ኣብ ዘስካሕክሕ ስቓይ ከምዘለው ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ብዘይዝኾነ ምኽንያት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ተዳጊኖም ዘለው ተጋሩ ብህፁፅ ክፍትሑ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።