ኣብ ልዕሊ መዓድንን ኢነርጅን ትግራይ ዝለዓለ ዕንወትን ጉሕለትን ከምዝበፅሐ ኣብ ቢሮ መዓድንን ኢነርጅን ትግራይ ዳይሬክቶሬት ኢነርጂ ኣይተ ማሓሪ ወልደኪሮስ ገሊፆም ።

ስርዓት ኢትዮጵያን መላፍንቱን ኣብ ዓውዲ መዓድን ኢነርጂን ትግራይ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን ዝፈጸሙ እንትኸውን  ኣብቲ ዓውዲ ዝበፅሐ ዕንወት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ መፅናዕቲ እናተገበረሉ ኣብዞ ሕዚ እዋን ናብ ምዝዛም ገፁ ከምዝርከብ  ኣይተ ማሓሪ ምዝራቦም ድምጺ ወያነ ትግራይ ጸብጺባ።

ብማዓድናትን ኢነርጂን ዝበልጸገት ትግራይ ኣብ ዓመት ብቢልዮናት ቅርሺ ዝቑጸር ካብ ማዓዲን ዝቁጸር እቶት ትረክብ ዝነበረት እንትኽውን ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ግን እቲ ዓውዲሰፍ ዘይብል ዕንወት ከምዘብጸሖ ይፍለጥ።

እንተኾነ እቲ ዝስርሑ ዘለዎ ስራሕቲ ከምዘለዎ ኮይኑ ዝዓነዉ ትካላትን ንብረታትን ዝግበር ዘሎ መፅናዕቲ እኹልን ዝተማልአን ብዘይምዃኑ ሕዚ እውን ግቡእ ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ኣብ ቤት ምክሪ ትግራይ ቐዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልማዓት ሕርሻን ሃፍቲ ማይን መዓድንን ኣተሓሳሲቡ።

መዓድንን ኢነርጅን ትግራይ ብቐፃሊ ኣብ ቑጠባ ትግራይ ዝለዓለ እጃም ንክህልዎ ትልምታት ወፂኦም ይስርሕሉ ከምዘለዉ ድማ ኣይተ ማሓሪ ተዛሪቦም እዮም ክብል ድምጺ ወያነ ትግራይ ጸብጺባ።