ኣብ መቐለ ዋጋ ንምግቢ ዝውዕሉ እኽልን ጥራምረን ካብ እዋና ናብ እዋን ይውስኽ ከምዘሎ ነበርቲ መቐለ ገሊፆም።

ጋዜጠኛ ቪኦኤ ኣብ መቐለ ዕዳጋ ሶኒ( ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ) ተረኪቡ ዘዘራረቦም ነበርቲ መቐለ ከምዝገለጽዎ ዋጋ ዕዳጋ ንምግቢ ዝውዕሉ እክሊን ጥራምረን ብፍጥነት ይውስኽ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ዋጋ ጣፍ ኣብዚ ሐዚ እውን ልዕሊ 13 ሽሕ ብር ይሽየጥ ከምዘሎ ዝሓበራ ቪኦኤ ዘዘራረበን ሸመንቲን ነበርቲ ከተማ መቐለን ምሸላ ንኹንታል 6 ሽሕን ስርናይ ድማ  8 ሽሕ ብር ይሽየጥ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ከምኡ እውን ንጸብሒ ዝኾኑ ጥራምረ ድማ ጨው ልዕሊ 200 ይሽየጥ ዘሎ እንትኸውን ሽሮ “ንምኒሊክ” 180፣ክክዕ ንኪሎ ልዕሊ 200፣ ሽንጉርቲ ንኪሎ 30፣ ድንሽ ንኪሎ 70 ቅርሺ ከሙኡ እውን ኮሚደረ ንኪሎ 65 ቅርሺ ይሽየጥ ከምዘሎ ገሊጸን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዕዳጋ ዘየለ ዝብሃል ነገር የለን ዝበላ እተን ነበርቲ መቐለ እንተኾነ ዋጋ ዕዳጋ ኣዝዩ ክባር ከምዝኮነ ገሊጸን። ቡን ንኪሎ 800፣ ሽኮር ንኪሎ 160 ቅርሺ  ከምዘሎ ዝሓበራ እዘን ነበርቲ ፈሓም 800  ዕንጨይቲ ኽሳብ 900 ንኹንታል ዕዳጋ ይግበር ከምዘሎ ገሊጸን።

ቅድሚ ኲናት ምስ ዝነበረ ዋጋ ዕዳጋ ብንፅር እንትረአ እቲ ወሰኽ ዋጋ ዕዳጋ ልዕሊ 100 ሚታዊ ወሰኽ ኣርእዩ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበሮ ዕጽዋ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ጥረ ኣቅሓ ክትሕሰ ኣብ ምግባር ዝርከብ እንትኸውን ቑጠባ ትግራይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓመቐ ኣብ ምምጻእ ይርከብ።