ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተነበረ ዕፅዋን ክባን ህዝቢ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝተነበረ ዕፅዋን ክባን ነዳዲ ብዘይምህላው ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ደው ከምዝበላ ተገሊፁ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ህዝቢ ካብን ናብን ኣብ ዝገብሮ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተሳጢሑ ከምዝርከብ ኣሽከርከርትን ተገልገልትን ሓቢሮም፡፡

እቶም ተገልገልቲ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ሓበራዊ ቃልስን ምትሕግጋዝን ጥራሕ ከምዝኾነ ንቴሌቭዥን ትግራይ ገሊፁ፡፡

ቀሺ ገብረ መድህን ገብረህይወት ንዕለታዊ መነባብርኦም ዘድልይዎም ነገራትን ማሕበራዊ ርክቦም ንምቕፃልን ናብ ከተማ መቐለ ከምዝመፁ ይዛረቡ።

ኮይኑ ግና ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ፀላእቲ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ብዘሎ ዕፅዋ ነዳዲ ተሽከርከርቲ ደው ምባለን ስዒቡ ይትረፍ ዶ ስራሕትና ክነሳልጥ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተሳጢሕና ኣለና ኢሎም።

ከምኡ እውን ሓራሳት፣ ነብሰ ፆራትን ዝሓመሙ ወገናትን ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ስእነት ነዳዲ ካብን ናብን ተንቀሳቒሶም ህይወቶም ከድሕኑ ከምዘይከኣሉ ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ ሕብረተሰብ እውን እንተኾነ ብእግሩ ብምጕዓዝ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተሳጢሑ ከምዘሎ እቶም ተገልገልቲ ኣረጋጊፆም፡፡

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኣወጀ ኲናት ብሚልዮን ዝቑፀር ህዝቢ ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ደው ብምባሉ ግዳይ ጥምየት፣ ሞትን ሕማማትን ኮይኑ ከምዘሎ ዝፍለጥ።