ኣብ ልዕሊ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተዳጊኖም ዝርከቡ ተጋሩ ደቂተባዕትዮ ኣገዲድካ ምድፋር ይፍጸም ከምዘሎ ዘ ግሎብ ኤንድ ሜል ጸብጺቡ።

ጋዜጣ ዘ ግሎብ ኤንድ ሜል፡ ዘዘራረቦም ኣርባዕተ ግዳይ እቲ  ኣገዲድካ ምድፍር ዝኮኑ ደቂተባዕትዮ ኣብ ሑመራ ዝርከብ መዳጎኒ ጣብያ ኣብ ግፍዓዊ ዝኾነ ኩነታት ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽንሖም ከምልጡ ሞኪሮም ከምዝተታሓዙን ኣብ ልዕሊኦም ኣካላዊ መጥቃዕቲን ኣገዲድካ ምድፋርን ከምዝተፈጸሞም ገሊጾም።

እዞም ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ወገናት ብምልሻ ኣምሓራ ተኣሲሮም ብኣሸሓት ተጋሩ ኣብ ዝተዳጎኑሉ ጣብያ ከምዘለውን ኣብቲ መዳጎኒ ጣብያ ከቢድ ግፍዕታትን ስቅያትን ይበጽሖም ከምዝነበረን ተዛሪቦም።

ምግቢ ብሓደ ሓደ ወገናት ዝመጸልካ እንተዘይኮኑ ንምርካብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ዝበሉ እዞም ወገናት በብማዓልቲ መግረፍትንን መጥቃዕቲን ይበጽሖም ከምዝነበረ ነቲ ጋዜጣ ኣብሪሆም።

ብምኻኑ ድማ ካብቲ መዳጎኒ ጣብያ ኣምሊጦም ንምኻድ ዝገበርዎ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሉ ተታሒዞም መግረፍትን ስቅያትን ክበጽሖም ድሕሪ ምግባር ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለዩ ምልሻታት ኣምሓራ ግብረሰዶማዊ መጥቃዕቲ ከምዝበጸሖም ገሊጾም።

እቲ ተግባር መሊሰ ክዝክሮ ከለኹ የሕመንን ይናደድን ዝበለ ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ዝኮነ ማሓሪ ኣብ ልዕሌና እቲ ዘይሕሰብ ፈጺሞሙልና፡ ተኲሶም ክቐትሉኒ ምመረጹ ክብል ነቲ ኩነታት ይዝክሮ።

ካልኦት ን ዘ ግሎብ ኤንድ ሜል ዝተዛረቡ ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ዝኮኑ ወገናት ካብቲ መዳጎኒ ጣብያ ኣምሊጦም ሱዳን ከምዝኣተው ሓቢሮም።

ኣብቲ ተኣሲሮሙሉ ዝነበረ ጣብያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ኣብ ከቢድ ኩንታት ተኣሲሮም ብምልሻ ኣምሓራ ይሳቐዩ ከምዘለውን ብሰንኪ እቲ ዝበጸሖም መጥቃዕቲ ኣእምራዊን ኣካላውን ጉድኣት ከምዝበጸሖም ገሊጾም።

ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ከምኡ እውን ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሐዚ ንምዕራብ ትግራይ ተቆጻጺሩ ዘርኢ ናይ ምጽናት ተግባራቱ ዝቀጸለ ክኸውን ከሎ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቁጸር ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከብ ይፍለጥ።