ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወ እጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ጾመ ፍልሰታ ኣመልኪቶም ንኣመንቲ ክርስትና መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ካብ ጽባሕ ሓደ ነሓሰ ጀሚሩ ዝጽወም ጾም ‘ጾመ ማርያም’ ቀንዲ ዕላማኡ ባእስን ፅልእን ምሽናፍ ዘኽእል ናይ ይቕረታን ፍቕርን ሓይሊ ብመለኮት ፍቓድ ንምጉልባት ከምዝኾነ ገሊጾም።
ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዘየድልዩ ግጭታት ብዘተ ንምፍታሕ ዝፍተኑ ዘለዉ ገለ ተስፋታት ሰላም ጽቡቓት ከምዝኾኑን ሱር ሰዲዶም ብተግባር ተተርጒሞም ንዝተጎድአ ህዝብና መጸገኒ ንኽኾኑ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ብምዃኑ እውን መንግስቲ ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ሰናይ ሓሳብ ንኽደፍኡሉ ህዝብን ሃገርን ንኸድሕኑን ኣቦነታዊ መልእኽተይ ብሽም ፈጣሪ የመሓላልፍ ኢሎም።
ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡ ብስርዓት ኢትዮጵያ መግለጺ ከይህቡን ድምጺ ህዝቦም ከይኾኑንን ብተደጋጋሚ እንዳተዓፈኑ ዝጸንሑ ክኾኑ ከለው ድሕሪ ብዙሕ ገልታዕታዕ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኦም ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ሕክምናኦም ይከታተሉ ከምዘለው ይፍለጥ።