ህዝቢ ትግራይ፡ ዘለዎ ኩነታት ካብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝግለፅ ፀገም ንላዕሊ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝተወልዓሉ መዛዘሚ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝቐጸለ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ብሚልዮናት ዝግመቱ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኩነታት ናብራ ወዲቖም ከምዘለው ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብሰንኪ ጥምየት ናብ ሕማምን ሞትን ይቃልዑ ንዘለው ሰባት ንምሕጋዝ ብትካላት ረድኤት ካብ ዝግበር ፃዕርታት ብተወሳኺ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን ትካላትን ሓገዝ ከምዘበርክቱ ሓቢሩ።

ካብቶም ውልቀ መተሓባበርቲ ኣቕራቢ “ቀዛሕታ” ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ተሌቪዥን መደብ በረኸት መኮነን እንትኾን ህዝቢ ትግራይ ዝርከበሉ ኩነታት ንምግላፁ ከቢድ እዩ። ብቐሊሉ ከምቲ ብተሌቪዥን ዝረአ፣ ብስልኪ ወይ ብኻልእ ዝኾነ ዝንገረካ፣ ብቪድዮ ዝወጽእ ወይ ኣብ ፌስቡክ ዝፀሓፍ ኣይኮነን። ኢሉ።

ከምኡ እውን ህዝቢ ትግራይ ‘ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ’ ምባል ይከኣል ይኸውን። ግን ድማ እቲ ኣብዚ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ሕማቕ ብዝበሃል ንላዕሊ እዩ” ክብል ገሊፁ።

ብተወሳኺ “ክዛረበሉ መግለፂ እዩ ዝሓፅረኒ። መዓልታዊ ህፃናትን ኣዴታትን ይሞቱ። ‘ፅባሕ ክወግሕ እዩ’ እናበልካ’ ብኣጉል ተስፋ ዝንበረሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ይተረፍ እቲ ብሓገዝ እንህቦምስ ናትና ናብ ካባቢኦም ምኻድ ክንድምንታይ ተስፋ ከምዝኾኖም ብዓይነይ ዘረጋገፅክዎ ሓቂ እዩ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን “መሰረታዊ ዝብሃሉ ሸቐጣት ኣዝዩ ክቡር ከምዝኾነን ንኣብነት ጣፍ 17 ሽሕ ብር፣ ዘይቲ ን5 ሌትሮ ክሳብ 400 ብር ዝዕደግ ዝነበረ ሎሚ 2500 ብር ይሽየጥ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝተነበረ ዕፅዋን ምዕፃው ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ግዳይ ጅምላዊ ሞትን ሕማማት ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።