ኣብ ኢትዮጵያ ብሉፅ ስርዓተ ጥዕና ዝነበራ ትግራይ ትካላታ ከምዝዓነው ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሉፅ ስርዓተ ሓለዋ ጥዕና ዝነበራ ትግራይ ትካላታ ከምዝዓነውን ከምዝተዘመቱን መርበብ ሓበሬታ “London Review of books” ፀብፂቡ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ትዩተር ገፁ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበረ ትካላት ጥዕና ኮነ ተባሂሉ ክዓኑን ክዝመትን ከምዝተገበረ ኣብሪሁ።

ብምዃኑ እውን ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበረ ትካላት ጥዕና እቲ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ከምዝዓነውን ከምዝተዘመተን እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሓንሳብ ኮይኖም ኣብ ዘሳለጡዎ መጽናዕቲ ፤ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ልፍንቲ መንግስታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ትካላት ጥዕና፣ ማሕበረሰብን ቁጠባን ዝበፅሐ ዕንወት ዳህሲሱ ነይሩ።

ብምዃኑ እውን ኣብ ትካላት ጥዕና ትግራይ ካብ ቀሊል ክሳብ ሙሉእ ዕንወት ዝወረደ ክሳራ ብጥረ ገንዘብ 64 ቢልዮን ብር ከም ዝበጽሕን ልዕሊ 80 ሚእታዊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ከምዝዓነወን ምሕባሩ ይዝከር።

ዓወደ ጥዕና ግዜ ዘይህብ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ኣብ ሓፂር ግዜ ግልጋሎት ጥዕና ንክረክብ ቅልጡፍን ዝተዋደደን ስራሕቲ ከምዘድሊ እውን ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምግላፁ ይፍለጥ።