ውድብ ምግቢ ዓለም፡ መንግስቲ ትግራይ ናይ ባዕሉ ነዳዲ ዘሚቱ ኢልካ ምኽሳስ ኣግባብ ከምዘይብሉ ኪቲል ትሮንቮል ገሊጹ።

ሓላፊ ውድብ ምግቢ ዓለም ዴቪድ ባስለይ ኣብ መቐለ ካብ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ብመንግስቲ ትግራይ ተዘሚተ ምባሉ ልክዕ ከምዘይከነ ከቲል ትሮንቮል ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ኢትዮጲያን ጽንዓት ዘካይድ ሙሁር ሰላምን ግጭትን ( peace and conflict) ገሊጹ።

ዴቪድ ባስለይ ተሰሪቁ ዝበሎ ነዳዲ ካብ ፈለማ መንግስቲ ትግራይ ብልቓሕ ንውድብ ምግቢ ዓለም ዝሃቦ ነዳዲ ከም ዝኾነ ኣብ ውሽጣዊ ሰነድ እቲ ትካል ብግልጺ ተቀሚጡ ከምዘሎ ዝገለጸ እንትኾን ናይ ባዓልካ ንብረት ኣይዝመትን ኢሉ።

ዴቪድ ባስለይ ተሰሪቁ ኢሉ ክምዝተቆጠዐ ኣብ ሕብራት ሃገራት ዝርከብ ፍልፍለይ እውን ዴቪድ ባስለይ እቲ ሓቂ ብዝጠምዘዘሉ ኣግባብ ተበሳጭዩ እዩ ዝበለ ከቲል ትሮንቮል  ብልቃሕ ዝተወሃበ ነዳዲ ዴቪድ ባስለይ ሰሪቆም ዝብል ቃል ምጥቃሙ ቃላት ኢንግሊዝኛ ብኣግባቡ ዘይምጥቃም ወይ ፖለቲካዊ መልክዕ ንምታሓዝ ዝተገበረ ጻዕሪ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ማሕበረሰብ ዓለም ብዘይሻራዊ መገዲ እዚ ክጻረ ክጽውዕ ከምዘለዎን መንግስቲ ትግራይ ድማ ብልቃሕ ዝሃበሉ ውድብ ምግቢ ዓለም ፈሪሙ ዝተቀበለሉ ሰነድ ከምዘቅርብ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ።