ኣሜርካ ዳግም ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ንኢትዮጲያ ናብ ዝኸፈአ ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዘእትዋ ገሊጻ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዳግም ምውላዕ ኲናት ኣብ ኢትዮጲያ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተበጺሑ ዝነበረ  ተጻብኦ ደው ምባል ሰብኣዊ ሓገዝ ንዓሰርተታት ኣሸሓት ሰባት ኣብ ምብጻሓን ሂወት ኣብ ምድሓን ዓብይ ግደ ከምዝተጻወት ሓቢሩ።

እንተኾነ ዳግም ናብ ኲናት ምምላስ ውጽኢቱ  መከራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ እውን እታ ሃገር ናብ ዝገደደ ቁጠባዊ ጸገማት ዘሳጥሕ እዩ ክብል ገሊጹ።

ኣሜርካ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናትን ዝተፈላለዩ ቁጠባዊ ማዕቐባት ጌራን ክትገብርን ትሸባሽብ ዝነበረት እንትኸውን ንዘተ ሰላም ዕድል ንምሃብ ተወሳኪ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተዓቂባ ከምዝነበረት ዝወጹ ሓበሬታት የመላኽቱ።

ኣሜርካ ሰብኣዊ ሓገዝ ንወታደራዊ ዕላማ ከይውዕልን ተበጻሓነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይግደብን ኩሎም ኣካላት እዚ ክብሩን ዝጸወዐት ኮይና መሰረታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ክጅመር ኩሎም ወገናት ክሰርሑ ከምዝግባእ ጸዊዓ።

ብተመሳሳሊ ዋና ጻሓፊ ሕብራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተሬዝ ዳግም ምውላዕ እቲ ኲናት ትግራይ ከምዘደንገጾን ከምዘሕዘኖን ዝገለጸ እንትኸውን ኩሎም ወገናት ተጻብኦ ደው ብምባል ዘተ ሰላም ክቕጽሉን ሰብኣዊ ሓገዝ ከይግደብን መሰረታዊ ኣገልግሎት ክጅምርን ጸዊዑ።

ቁጠባ ኢትዮጲያ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ዝበጸሖ ኪሳራ ተሽመድሚዱ ኣብ ቁልዋልው ዝርኸብ እትኸውን ዳግም ምውላዕ እቲ ኲናት ቁጠባ ኢትዮጲያ ክሃስዮ ከምዝክእል ተዓዘብቲ ይዛረቡ።