ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ነበርቲ ደብዳብ ከምዘካየዳ ተሓቢሩ።

ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርትን ትካላት ንግድን ሰለማውያን ነበርቲ ደብዳብ ከምዘካየዳ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣቃሊሓ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ግንባር ብሰራዊት ትግራይ ዝበፅሖ ስዕረት ሎሚ 20 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ሰዓት 6፡40 ነቲ ደብዳብ ከምዘካየዶ ተፈሊጡ።

እቲ ደብዳብ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ከባቢ ቤት ትምህርቲ ኣፀደ ህፃናት ከምዘካየዶን ኣብ ህፃውንቲ ሓዊሱ ናይ ሞትን ዕንወት ትካላትን ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደ ተገሊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ እቲ ደብዳብ ኣብ ዞባ ደቡብ ከተማ መኾኒ እውን ከምዝተኻየ ፍልፍላት ገሊፆም።

ዛጊድ በቲ ደብዳብ ቁፅሪ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰለማውያን ሰባት ብንፁር ኣይተፈለጠን።

ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ኣፅዋር ንሓይልታት ምኽልካል ትግራይ ክተብጽሕ ክሊ ኣየር ኢትዮጲያ ጥሒሳ ንምእታው እንትትፍትን ወቂዐ ኣውዲቀ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ኣብ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ መንጸፍ ንምጻፍ ዝተከፈተ ፕሮፖጋንዳ ከምዝኮነ ገሊፁ ነይሩ።

ብምዃኑ እውን ስርዓት ኢትዮጲያ ከምዚ ዝበሉ ፕሮፖጋንዳታት ብምንጻፍ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ ይሸባሸብ ከምዘሎን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ካብ ዘካይዶ ደብዳብ ነፈርቲ ክቁጠብ ጸቅጢ ክገብር ከምዝግባእ ምፅውዑ ይፍለጥ።