ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ትግራይ ዘለው ኣዝማደይ ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ክፈልጥ ኣይከኣልኩን ኢሉ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ክባ ዘለው ኣዝማደይ ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ክፈልጥ ኣይከኣልኩን ክሕግዞም እውን ኣይከኣልኩን ክብል ተዛሪቡ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ህዝቢ ትግራይ ን21 ኣዋርሕ ብቡምባን ጥያይትን ጥራይ ዘይኮነስ ብስእነት ባንኪ፣ ምግቢ፣ መብራህትን ኣገልግሎት ጥዕናን ይመውት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝወርድ ዘሎ ፀገም ኣዚዩ ከምዝሓዘነን መፍትሕኡ ድማ ሰላም እዩ ክብል ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣረዲኡ።

ትግራዋይ ዓለምለኸ መራሒ ዶክተር ቴድሮስ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቅልውላው ትግራይ ካብ ዓለምና እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ከምዝኾነ፣ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከይረክብ ተኸልኪሉ ማዕሮ ማዕሮ ዩክሬን ክረአ ከምዘይከኣለ ወቒሱ ነይሩ።

ከምኡ እውን ቅልውላው ትግራይ፡ ትኹረት ዘይረኸበ ብምኽንያት ሕብሪ ቆርበት ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፁ ነይሩ።

ዶክተር ቴድሮስ ወሲኹ፡ “ኣነ ትግራዋይ እየ። ኣነ ትግራይዋይ ስለዝኾንኩ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ኣጋኒነ ኣይኮንኩን ዘቕርቦ ዘለኹ። ቅልውላው ትግራይ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ።” ክብል ምዝራቡ ይፍለጥ።