ኣብ ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከባ ተጋሩ በዓል ኣሸንዳ ኣኽቢረን።

ኣብ ሱዳን ግዝኣት ገዳሪፍ መዓስከር መዕቖቢ ስደተኛታት ኡምራኩባን ተነዳን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ በዓል ኣሸንዳ ከምዘኽበራ ትካል ስደተኛታት ሑቡራት ሃገራት ጨንፈር ሱዳን ኣቃሊሑ።

እቲ ትካል ብስእሊ ኣሰንዩ ከምዘቃለሖ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ስደት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ ብባህላዊ ክዳውንቲ ወቂበን፣ ብድሙቕ ሳዕስዒትን ደርፍን ከምዘኽበራኦ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ነቲ በዓል ምከንያት ብምግባር ኣብቲ በዓል ንዝተረኸባ ደቂ ኣንስትዮ ንጉዳይ ፆታዊ ዓመፅን ካልእን ዝምልከት ግንዛበ መዕበዪ ስልጠና ክረኽባ ከምዝተገበረ ኣብሪሁ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝተወለዐ ኲናት ኣስታት 70 ሽሕ ተጋሩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝፈትውዎ መረበቶም ገዲፎም ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ዝፍለጥ እዩ።

ከምኡ እውን ብስኪ ስርዓት ኢትዮጵያ መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ዓዲሙ ዘካየዶ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካየዶ ወራር ኣስታት 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ከምዝኾና ይዝከር።

ሎሚ ዘበን በዓል ኣሸንዳ፡ ኣብ ወፃኢ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ግምባር ኮይነን ብዝተፈላለየ ስነስርዓት ከምዘኽበራአሸ ይፍለጥ።