ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤልን ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ከምኡ እውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ወሃቢ ቃል ሑቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጀሪክ ገሊፁ።

እቲ ወሃቢ ቃል ከምዝበሎ ምስ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብልን ንኹሉ ዝሓቆፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ንክጅምርን ከምዝተዘራረቡ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ንተበግሶ ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ቅሩብ ከምዝኾነ ምግላፁ ነቲ ወሃቢ ቃል ብምፅራሕ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ፀብፂባ።

ብተመሳሳሊ ትማሊ ዋና ጻሓፊ ሕብራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተሬዝ ዳግም ምውላዕ እቲ ኲናት ትግራይ ከምዘደንገጾን ከምዘሕዘኖን ዝገለጸ እንትኸውን ኩሎም ወገናት ተጻብኦ ደው ብምባል ዘተ ሰላም ክቕጽሉን ሰብኣዊ ሓገዝ ከይግደብን መሰረታዊ ኣገልግሎት ክጅምርን ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዳግም ምውላዕ ኲናት ኣብ ኢትዮጲያ ከምዘተሓሳሰቦን ብህፁፅ ደው ክብልን ፀዊዑ ነይሩ።

ብተወሳኺ ዳግም ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ንኢትዮጲያ ናብ ዝኸፈአ ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዘእትዋ ሓቢሩ ነይሩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ብሸነኽ ደቡባዊ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ከምዝኸፈተን ነዚ ሰራዊት ትግራይ ብፀረ መጥቃዕቲ ከምዝምክቶን ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ምግላፁ ይፍለጥ።