ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማታት ወልድያን ደሴን ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጀን።

ሰራዊት ትግራይ ብፀረ መጥቃዕቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ከባቢታት ቆቦን ካልኦት ከባብታት ኣምሓራን ምቁጽጻሩ ሲዒቡ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማታት ወልድያን ደሴን ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጀን።

ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ወልድያ ምንቅስቃስ ሰብ ብዝምልከት ካብ ሰዓት ሓደ ምሸት ክሳብ ንጎሆ ሰዓት 12 ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቃስ ሰለማዊያን ሰባት ዝኸልከለ ኮይኑ ምንቅስቃስ መኪና ድማ ካብ ሰዓት 12 ምሸት ንዳሓር ሙሉእ ንሙሉእ ከልኪሉ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ደሴ እውን ድሕሪ ሓደ ሰዓት ምሸት ኩሎም ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ንግዲ ክዕጸው ትእዛዝ ዘውረደ ኮይኑ ኣብቲ ከተማ ዝርከቡ ኣጋይሽ እውን ድሕሪ ሓደ ሰዓት ከይንቐሳቐሱ ኣጊዱ ኣሎ።

ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀሉ ኲናት ብምምካት ኣብ ሓጺር ግዜ ጸረ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ኣምሓራ ተቆጻጺሩን ልዕሊ 23 ክፍላተ ሰራዊት ዝበታተነ ኮይኑ ሐዚ እውን እንተኾነ መገዲ ሰላም ተሓሲሙ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ዝኣወጀ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ዘተ ሰላም ክምለስ ጻዊዒት እንዳቕረበ ይርከብ።