ኲናት ትግራይ፡ ኲናት ሕድሕድ ዘይኮነስ ካብ ዓበይቲ ዞባዊ ደማዊ ኲናት ዓለምና ከምዝኾነ ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማርቲን ፕላውት ሓቢሩ።

ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማርቲን ፕላውት፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዕፅዋን ክባን እንተሎን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ዓፀቦ ወዲቑ እንተሎን ስርዓት ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣተኣኻኺቡ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ንማዕኸን ዜና ኣልጀዝራ ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ሰራዊት ትግራይ ነዚ ክምክቶ ግድን ከምዝኾነን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ከምመዛተዪ ነጥቢ ብምውሳዱ እቲ ከይዲ ሰላም ክፍሽል ከምዝኸኣለ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ማርቲን ፕላውት፡ ኲናት ትግራይ ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሶማልያን ዝተሳተፉሉ ካብ ዓበይቲ ደማዊ ኲናት ዓለምናን ዞባዊ ኲናትን እምበር ኲናት ሕድሕድ ከምዘይኮነ ንማዕኸና ዜና አልጀዚራ ኣብሪሁ።

ወኪል መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣይተ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ ኣበ መቐለ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ መቐፀልታ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ከካይዶ ግፍዒ እዩ ክብል ነቲ ማዕኸን ዜና ገሊፁ።

ከምኡ እውን እቲ ስርዓት፡ መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ዘርኣዮ ቅሩብነት ተሓሲሙ መገዲ ጥፍኣት ይቕፅለሉ ከምዘሎን ብወገን ትግራይ ምሩኻት ካብ ምስዳድ፣ ካብ ዝተቖፃፀርናዮም ከባብታት ዓፋርን ኣምሓራን ኣዝሊቕና፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክኸፍቱ ንዝመፁ ወገናት ውሕስና ከምዝወሃብ ኣረጋጊፅና ኢና ክብል ኣብሪሁ።

ኮይኑ ግና ብወገን ስርዓት ኢትዮጵያ ነቲ ዘተ ሰላም ከምቅድመ ኹነት ዝተቐመጡ ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ዝኾነ ዓይነት ቅሩብነት ከምዘይኣርኣየ ሓቢሩ።