ሱዳን፡ ብዛዕባ ብሱዳን ኣቢላ ናብ ትግራይ ክትኣቱ ተወቒዓ ዝተብሃለት ነፋሪት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ህፁፅ መብርሂ ክህብ ሓቲታ።

ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰራዊት ኢትዮጵያ ብሱዳን ኣቢላ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ጥሒሳ ናብ ትግራይ ክትኣቱ ተወቒዓ ዝተብሃለት ነፋሪት ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ህፁፅ መብርሂ ክወሃባ ፀዊዓ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን፡ እታ ሱዳን ሰጊራ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሳ ዝኣተወት ነፋሪት ተወቒዓ ከም ዝወደቐት መግለፂ ሂቡ ከምዝነበረ ማዕከን ዜና ሱዳን ንሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሃገሩ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ ከምዝነበረ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብምዃኑ እውን በቲ መግለፂ ኣምባሳደር ዝተቖጠዐ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ነቲ ኣምባሳደር ጸዊዑ ከም ዘዘራረቦን እቲ ዝሃቦ መግለጺ ግጉይ ምዃኑ ክዛረብ ከምዝሓተቶን ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወሃቢ ቓል ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ብርጋዴር ጄኔራል ነቢል ኣብደላ ኣሕመድ፡ ብወገኑ ብሱዳን ሰማይ ዝሓለፈትን ዝወደቐት ነፋሪት ከምዘየላ ምስ ብሉምበርግ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን እትገብሮም ምትንኻፍ ደው ክተብል እንተዘይኮይኑ ዝስዕብ መዘዝ ሓላፍነት ከም ትወስደሉ ክፍለጥ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቁ እዩ።

ከምዝፍለጥ ሓላፊ ወፍርታት ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ አያሌው፡ እታ ነፋሪት ብሱዳን ከባቢ ሑመራ፡ ናብ ትግራይ ክትኣቱ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ምሕባሩ ይዝከር።

ብካልእ ገጽ፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ሬድዋ ሑሴን እታ ወዲቓ ዝተባህለት ነፋሪት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ኣፅዋር ክተራግፍ ከላ ከምዝተወቐዐት እዩ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ሱሌማን ዴደፎ ብወገኑ፡ እታ ነፋሪት ኣጽዋር ጺዒና ናብ ትግራይ እንትተምርሕ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ከምዝተወቕዐት ብምግላፅ ነኒባዕሉ ዝገራጮ መልእኽቲ ምዝርጋሖም ይፍለጥ።

መንግስቲ ትግራይ፡ ‘ናብ ትግራይ ኣጽዋር ውግእ እተግዕዝ ነፋሪት ተወቒዓ ወዲቓ’ ዝብል፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ውጹእ ሕሶት ክብል ከምዝነፀጎ ዝዝከር እዩ።