መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ብዝተፈላዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምእዋጆም መግለጺ ዘውጸአት ሚኒስትር ኢንግሊዝ ንኣፍሪካ ቪኪ ፎርድ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዓ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ምስ ሰራዊት ኢትዮጲያ ብምዃን ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከምዝጀመረን ከባቢታት ኢሮብን ምዕራብ ትግራይን ብሓይሊ ወሪሩ ብምሓዝ ክሳብ ሐዚ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ መሻርኽቱ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ዘተ ሰላም ተሓሲሙ ኲናት ዝከፈተ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ኢንግሊዝ ንኣፍሪካ ቪኪ ፎርድ ድማ እቲ ልዕሊ 22 ኣዋርሕ ዝገብረ ኲናት ወታደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ ጉሁድ ኮይኑ እዩ ኢላ።
እቲ ጎንጺ ዝፍተሓሉ ብሕታዊ መገዲ ጎንጺ ደው ኣቢልካ ፖለቲካዊ ዘተ ምጅማር ጥራሕ ከምዝኮነ ሓቢራ።
ዳግማይ ምውላዕ እቲ ኲናት ናብ ሰላም ዝግበር መንገዲ ኣጸገሚ ከምዝገብሮ ዝሓበረት እታ ሚኒስተር ኩሎም ወገናት እቲ ኲናት ጠጠው ከብሉን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈቅዱን ጸዊዓ።
ብተወሳኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣብ ትግራይ ክፈቅድ መንግስቲ ኢንግሊዝ ጸዊዑ ኣሎ።