ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ክባን ዕጽዋን ክስበር እጃማ ኸተብርክት ኣለዋ ክትብል ፈጻሚ ዳይሬክተር ሂማን ራይትስ ዎች ከኔት ሮት ገሊጹ።

ፈጻሚ ዳይሬክተር ሂማን ራይትስ ዎች ከኔት ሮት ኣብ ጋዜጣ ፎሬን ፖሊሲ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ኣዝዩ ዝሃሲ ዕጽዋን ክባን ክስበር ክትሰርሕ ከምዝግባእ ጸዊዑ።

እቲ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ተሓሲቡ ዝነበረ እኽሊ ዩክረይን ዝሓዘት ናይ መጀመርታ ቻርተር መርከብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበጸሐት ሓቢሩ።

እቲ ረዲኤት ናብ ኢትዮጲያ ክበጽሕ ሕብራት ሃገራትን መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃን ምስ ራሽያ ብዝገበርዎ ዘተ ዋላ ናብ ጁቡቲ እንተበጸሐ ሐዚ እውን ግን እቲ ረዲኤት ናብ ትግራይ ንክበጽሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ  ክባን ዕጽዋን ከብቅዕ ጸቅጢ ማሕበረሰብ ዓለምን ሃገራት ኣፍሪቃን ከምዘድሊ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝኣክል ክባን ዕጽዋን ብምንባር ሃገራውን ኣህጉራውን ሕግታት ብምጣሓስ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበጽሕ ከምዝኸልከለን ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ባንኪታት፣ ሆስፒታላትን፣ ኣዝርእቲን እንስሳን ብምቅታልን ብምዕናውን ትግራይ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ጽግዕተኛ ክትኸውን ከምዝተገበረት ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ኩነታትን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ ብሰፊሑ ዝገለጸ ፈጻሚ ዳሬክተር ሂማን ራይትስ ዎች፡ ነዳዲ፣ባንኪን ኣገልግሎት ስልኪን ኣብ ዘይብሉ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝየን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዘለዋ ኣረዲኡ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕብራት ሃገራት ሰብኣዊ ሓገዝን መቁራጽ መሰረታዊ ኣገልግሎትን ንወታደራዊ ዕላማ ምጥቃም ዘውግዝ ውሳነ ሓሳብ ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ፈረጂ ኣውጺኡ ዋላ እኳ እንተነበረ እዚ ግን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ክፍጽሞ ከምዘየከኣለ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ኤ3 ( A3) ተባሂለን ዝፍለጣ ጋቦን፣ኬንያን ጋናን እውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ክባን ዕጽዋን ንክቅጽል ናይ ባዕለን ግደ ምጽዋተን ወቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ሐዚ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምፖለቲካዊ መዋገይ ነጥቢ ገይሩ ይጥቀመሉ ከምዘሎን ባይቶ ሕብረት ሃገራት ብፍሉይ እተን ኤ3 ተባሂለን ዝፍለጣ ተወከልቲ ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ብህጹጽ ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስዳን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክላዓልን መሰረታዊ ኣገልግሎት ክወሃብን ክጽውዓ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዳግማይ ወራር ብምእዋጅ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዝነበረ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣትው ዝከልከለ ኮይኑ ሕብራት ሃገራት ናብ ትግራይ ሓገዝ ከየእቱ ከምዝተኸልከለ ምግላጹ ይዝከር።