ኣሜርካ፡ ኲናት ትግራይ ምቕጻሉ ከምዝተሓሳስባ ገሊጻ።

መንግስቲ ኣሜርካ: መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሓደሽቲ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ምእዋጁ ሲዒቡ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣቶንዮ ብሊንከን እቲ ኲናት ዳግም ምጅማሩ ከምዘሻቐሎ ዝገለጸ እንትኸውን ጉዳይ ህይወት እቶም ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ሓደጋ ዝወድቅ ዜጋታት ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጲያን ትግራይን እቲ ዝተወለዐ ኲናት ደው ኣቢሎም ነቲ ጎንጺ ዘላቂ መፍትሒ ክናድዩሉ ከምዝግባእ መንግስቲ ኣሜርካ ጸዊዑ።

መንግስቲ ኣሜርካ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብኣንፈት ደቡብ ትግራይ ኲናት ምእዋጁ ሲዒቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንወታደራዊ ዕላማ ከይውዕልን ተበጻሓነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይግደብን ኩሎም ኣካላት እዚ ክገብሩን ዝጸወዐ ክኸውን ከሎ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክጅመር ኩሎም ወገናት ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ጸዊዑ ነይሩ።

እንተኾነ ስርዓት ኢትዮጲያ ግንባር ኲናት ብምስፋሕ ናይ ደገ ሓይሊ መንግስቲ ኤርትራ ብምጽዋዕን ሰራዊቱ ናብ ኤርትራ ኣዚሩ ናብ ውግእ ብምእታው ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ወራር ኣዊጁ ይርከብ።

መንግስቲ ኣሜርካ ሰራዊት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ምእዋጁ ሲዒቡ ክሳብ ሐዚ ዝበሎ ነገር የለን።

ስርዓታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ብኣንፈት ኣድያቦ ብኣርባዕተ ኣንፈት ብሓባር ሎሚ ንጎሆ ወራር ዝኸፈቱ እንትኾኑ ብኣንፈት ሶቆጣ፣ ምዕራብ ትግራይ፣ ቆቦን ዓፋርን እውን ተመሳሳሊ ወታደራዊ ኲናት ከምዘሎ መንግስቲ ትግራይ ምግላጹ ይዝከር።