ትግራዋይ ፊሊሞን ጎርፉ ኣብ ስዊድን ኣብ ዝካየድ ዞባውን ፓርላመንታውን መረጻ ከምዝወዳደር ተገሊጹ።

ትግራዋይ በዓል ሞያ ኬሚካላዊ ምህንድስና ፊልሞን ጎርፉ፡ ኣብቲ ኣብ ስዊድን ኣብ ዝካየድ ዞባውን ፓርላመንታውን መረጻ ከምዝወዳደር ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ፊሊሞን፡ ካብቶም ሸሞንተ ዓበይቲ ውድባት እታ ሃገር ሓደ ንዝኾነ ጸጋማዊ ውድብ ሶሻል ዲሞክራት ወኪሉ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ከምዝወዳደር ተፈሊጡ።

እቲ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ኣብ ትግራይ ተማሂሩ ኣብ 2009 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ናብ ስዊዲን ዝኸደ ፊልሞን፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ምውሳእ ከምዝጀመረ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ፊሊሞን ከምዝበሎ “ካብ 2018 እየ ኣብ ፖለቲካ ምስታፍ ጀሚረ። ምኽንያቱ እቲ ናይዚ ዓዲ ፖለቲካን ጸገማትን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ኢለ ስለ ዝኣምን እዩ። ኣብዚ ዓዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ እናሃለኹ እውን ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፍ መሓዛ ነይሩኒ። ሽዑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣባል ኮይነ” ክብል ይገልጽ።

ከምኡ እውን ንፖለቲካዊ ጉዕዞኡ ኣብዚ ፈላማይ መረጽኡ ምስ ዝረኽቦ ድምጺ ከምዘየተሓሕዞን ብኣንጻሩ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ከዐውቶም ዝደልዮም ትልምታት ከምዘለዎን ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እውን “ብሓደ ግዜ ቤት ምኽሪ እንተዘይኣተኹ ዘይኮነስ፡ ብወረዳን ዞባን ኣቢለ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ናብ ባይቶ ስዊድን ንምእታው እዩ ዕላማይ፤ ምኽንያቱ ተሳትፎይ ወሲኸን ኣጽኒዐን፡ ኣካል እቲ ፓርላማ ብምዃን ከም ሓደ ትግራዋይ፣ ከም ሓደ ጸሊም ኣፍሪቃውን ሓደ ኣካል ታሪኽ ክኸውን እየ ዝደሊ” ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ተስፋ ዘይምቑራጽ ከም ናይ ህይወት መትከሉ ገይሩ ከምዝወስድን ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ዝደልይዎ ብርኪ ናይ ምብጻሕ ዕቑር ዓቕሚ ከምዘለዎም ከምዘለዎም ኣሓሳሲቡ።