ኣብ ትግራይ ከምብሓድሽ ዝተኸፍተ ኲናት ከምዘሕዘኖ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ገሊፁ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ከምብሓድሽ ዝተኸፍተ ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝበፅሕ ጉድኣትን ከምዘሕዘኖ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ሓቢሩ።

ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቖም ንዘለው ወገናት ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኽልከልን ገደብ ክግበረሉን ከምዘይብሉ ድማ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ናብ ሰላምን ቁጠባዊ ምልዕዓልን ክትኣቱ እንተደኣኮይናን ዘላቒ መፍትሒ እንተደኣክህሉን ኩሎም ፃባእቲ ኣካላት ነዚ ንምፍታሕ ቅሩባት ክኾኑ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ብዝተፈላዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምእዋጆም መግለጺ ዘውጸአት ኢንግሊዝ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ምፅዋዓ ይዝከር።

ከምኡ እውን እቲ ልዕሊ  22 ኣዋርሕ ዝገብረ ኲናት ወታደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ ጉሁድ ኮይኑ እዩ ከምዝበለት ይዝከር።

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣቶንዮ ብሊንከን ብወገኑ እቲ ኲናት ዳግም ምጅማሩ ከምዘሻቐሎ ዝገለጸ እንትኸውን ጉዳይ ህይወት እቶም ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ሓደጋ ዝወድቅ ዜጋታት ከምዘተሓሳሰቦ ገሊፁ ነይሩ።

ስርዓታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ብኣንፈት ኣድያቦ ብኣርባዕተ ኣንፈት ብሓባር ወራር ዝኸፈቱ ኮይኖም ብኣንፈት ሶቆጣ፣ ምዕራብ ትግራይ፣ ቆቦን ዓፋርን እውን ተመሳሳሊ ወታደራዊ ኲናት ከምዘሎ መንግስቲ ትግራይ ምግላጹ ይፍለጥ።